ኣብ ክፍለ ከተማ 1ይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ናይ ቤት ማዘጋጃ ን2011ዓ/ም ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ጎደና ፅሬት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 17, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 27, 2011 09:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መጋቢት 27, 2011 10:00 ደ/ሰዓት
  • ናይ ንፅህናን ፅሬትን ኣገልግሎት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ክ/ከ/ቀ/ወ/ት/ፋ/ኣቅ/ጨ/መ/ቁፅሪ 003 ናይ ጎደና ፅሬት

ተጫረቲ ንዞም ዝስዕቡ ረቆሕታት ከማእሉ ይግባእ

1 ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላትን ምርግጋፅ ምግቢ ውሕስና ከተማታትን ዝሃብዎ ወረቀት ምስክር ዝሓዘ ጥራሕ ከቅርቡ ዝክእሉ ይኩን ምበር ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ፣ኣብ መቅረብቲ ቫት ሰርቲፊኬት ካልኦት ናይ ንግዲ ሕጋውነት ከቅርቡ ኣይግደዱን፤

2 ዝተዓሸገ ፖስታ ገይሮም 1 ኦርጂናል ዶክመንት 2ተ ፎቶ ኮፒን ከቅረብ ዝክእሉን ናይ ትካም ማህተም ዘዓረፎ ፖስታ ዘቅርቡ፤

3 ሰነድ ጨረታ ዝቀርበሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 27/07/2011 ዓ/ም ኮይኑ ሰዓት 8:30 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ይክፈት፤

4 ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

5 ሰነድ ጨረታ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን አብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ ምኻንኩም ንሕብር፤

ኣድራሻና ኣብ ክፍለ ከተማ ቐደማይ ወያነ ቤት ፅ/ት ትልምን ከባቢ ጁብሩክ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 14 እዩ፤

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0937-023598 ወይድማ 0342-405123 ደዉልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ