ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንኣብያተ ቤት ፅሕፈቱ ወረዳ ዓደዋ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት: ኣቅሑት ፅሬት : ኤሌክትሪኒክስ : መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ብስክሌት :ሕትመን ዝኣመሰሉ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ከከም ኣድላይነቱ ተጫረቲ ዉሽጢ ዓዲ ዝተሐዳሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ : መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ካምኡዉን ዋናን ቅዳሕ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

2 ተጫረቲ ዉሽጢ ዓዲ 2009 ዓም ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተጫረቲ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ንምዉሳድ ንነብሰወከፍ ሰነድ ዘይምለሰ 50 ቅርሺ እነዳከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ቢሮ ቁፅሪ 7 ምዉሳድ ትክእሉ

5 መከበሪ ጨረታ 4000 ቅርሺ ክትሕዙ አለዎም

6 ተጫራታይ ንስዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ከቅርብ አለዎ

7 ናይ መሳርሒ ፅሕፈትን ኣቅሑት ፅሬትን ጨረታ 9 ሚያዝያ 2010 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት

8 ናይ ኤሌክትሮኒክስ :ሕትመትን: ናይ ሞተር ብስክሌትን መለዋወጢ ኣቅሑትን ጨረታ ዝዕፀወሉ መዓልቲ 9 ሚያዝያ 2010 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347712321 ወይድማ 0347712160 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ