ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ንዝተፈላለየ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ጋብዩን ( Different size of Gabion ) ጨረታ አወዳዲሩ ንምዕዳግ ትደሊ

ንካልአይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ንዝተፈላለየ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ጋብዩን ( Different size of Gabion ) ጨረታ አወዳዲሩ ንምዕዳግ ትደሊ:: ስለዚ ክጫረቱ ዝደሊዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ብዘሎ መሰረት ክወዳደሩ ዝክእሉ ምኮኖም ንሕብር::

1 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫራቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 613 / 30.00 / ቅረሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይክእሉ::

2 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን ናይ ወርሓዊ ዲክለር ናይ ታክሲ ከፋልነት ቲን ዝተመዝገበኩም ምካንኩም መረጋገፂ ክተቅርቡ ይግባዕ ፎቶ ኮፒን ኦርጅናልን ከቅርቡ አለዎም::

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% /ክለተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ቢድ ቦንድ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገጸ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም ጥረ ገነዘብ ምትሓዝ አይፍቀድን::

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 05/05/2007 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሸት /5:00 / ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይክእሉ::

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 05/05/2007 ዓ/ም ሰዓት 9:00 አበ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝርከብሉ እዩ::

6 አብ ጨረታ ዘሸነፈ መቅረባይ እቲ ኣቅሓ ንምቅራብ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዘሎ 20 መዓልቲ ዉሽጢ እቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር አለዎ::

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ክሕልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተማልዕዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን::

8 አብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (specification) ምስራዝ ኣይካልን::

9 አቲ ድርጅት ዝሓሸ አማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

 

ድሕሪት
ጨረታ መደብ