ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ኣብ ዋኒኑ ከም ዝተሓበረ ሳምረ መባእታዊ ሆስፒታል ናይ ኣምቡላንስ ጎማ መኪና ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረትቲ እቶም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ረቋሒታት ክተማልኡ እትኽእሉ ዝርዝር
1. ናይ 2018 ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ መቅረባይነትን ከቅርብ ዝኽእል
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (Tin No) ከቅርብ ዝክእል
3. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ትካልና ሳምረ መባእታዊ ሆስፒታል ቢሮ ቁፅሪ 24 ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካኣል
4. መኽበሪ ጨረታ 5000.00 ብስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ብሽም ሳምረ መባእታዊ ሆስፒታል ከቅርብ ኣለዎ
5. እቲ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ እቲ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከውን
6. ተጫራታይ ካብቲ ዝተጠቀሰ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ኣይካኣልን
7. ሰዓራይ ምስ ተነገሮ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእልን ክኣስር ተዘይኪኢሉ ድማ መኽበሪ ጨረታ ዝውረስ ምዃኑ
8. ሰዓራይ ምስ ተነገሮ በቲ ዝወፀ ስፐስፊክሽን እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ትካልና ሳ/መ/ሆስፒታል ከቅርብ ዝኽእል
9. ኦርጅናል ንብረት ከቅርብ ዝኽእል
10. ውዕሊ ምስ ኣሰረ መቅረባይ ብግዚኡ ተዘይቅሪቡ በቢ ማዓልቱ 0.001 ዝቅፃዕ ምኳኑ
11. ትካልና 20 ምውሳኽ ወይ ምቅናስ ዝኽእል ምኳኑ
12. ጨረታ ሰነድ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 12/6/2018 ዓ/ም ክሳብ 21/6/2018 ዓ/ም ዝፀነሐ ኾይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 21/06/2018 ዓ/ም ስዓት 11:00 ተዓፂዉ ልክዕ ዕለት 22/06/2018 ዓ/ም ስዓት 4:00 ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሳ/መ/ሆስፒታል
13. ሆስፒታልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰ ዝተሓለወ እዩ
14. ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0935815892 ምድዋል ይኽእሉ
ድሕሪት