ትካል ዘይጥቀመሎም ናይ ዝተፈላለያ ተሽከርከርትን ማሽናትን መለዋወጢ ኣቅሑት ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረታት ማለት እዉን ናይ መኪናን ማሽንን ጎማታት : ናይ ተሽከርከርቲ ባትሪታት : ዝተቃፀለ ዘይቲ : ናይ ህንፃ ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ ናይ ማይ ትቦ : ናይ ክሽነ ኣቅሑት ዕፅዉን ክፉትን በርሚል : ትካልና ዘገልገሉ ማሽናትን ተሽከርከርቲ : ካልኦትን ናይ ካልት መሳርሒታት ከወግድ ስለዝደለየ ግልጋሎት ኮሚሽን ፍቃድ ዘለዎም ትካላት ወኪላቶምን ከወግዱ ዝክእሉ ትካላት እዞም አብ ላዕሊ ዝተጠቀሱን ሀንለን ብምግባር ሕጋዊያን ተጫረቲ ብስዕብ መምርሒ ዕደጋ ተከቲልኩም ክትወዳደሩ ንዕድም
1 ተጫረቲ ኣግባብነት ዘለዎ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር :ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ተመዝጋባይ ምካኑ ዝገልፅ መረዳእታ : ናይ መቅረባይነት ፈቃድን ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝእክል
2 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናይ ሰነድ ጨረታ መግዘኢ 300 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንግዲ ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን መፂኦም ምዉሳድ ይክእሉ
3 ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ወይድማ ብኣንኮንድሽናል ባንኪ ጋራንት ከትሕዝ ዝክእል
4 እቲ ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዜ ኣብ ሰዓት ስራሕ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ወይድማ ብቁፅሪ ፖስታ 14 ምለኣክ ይከኣል
5 ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደሪ ምስዓሩ ካብ ብደብዳቤ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ን 5 ተከታታሊ መዓልቲ ናብ ኢንተፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ብኣካል ብምቅራብ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእል
6 ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ነቲ ጨረታ መከበሪ ዘትሓዞ ብሙሉኡ ተወሪሱ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ
7 እቲ ጨረታ 4/6/2018 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓፂዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ይክፈት አቲ ጨረታ ኣብ ዝክፈተሉ ግዜ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ተዝርከቡ ይምረፅ
8 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344416727/ 0914734474 /0914765723
ድሕሪት