1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድን : መቅረባይነትን ምስክር ወረቀት ቅዳሕ መረዳእታን ክታሓሕዙ አለዎም
2 ተጫረቲ ናይ ግብሪ መለለይ ካርዲ ወይ ቲን ናምበር : ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳእታ ቅዳሕ ከተሓሓዙ ይግባእ
3 ተጫረቲ እሴት ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ 2018 ዓም ዲክለር ዝገብርሉ መረዳእታ ዘቅርብ ክክዉን አለዎ
4 ጨረታ ሳንድ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅራ ወንበርታ ከተማ ኣጎላዕ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ዘይምለሰ 1000 ቅርሺ ጥራይ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 9/5/2018 ዓም ክሳብ 23/5/2018 ዓም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክወስዱ ይክእሉ
5 እቲ ጨረታ 25/5/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ረፋድ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 25/5/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ረፈድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣጎላዕ ኣደራሽ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ይሃልዉ ኣይሃልዉ ክክፈት አዩ
6 ናይ መከበሪ ጨረታ ዝከዉን 15000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም
7 ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽምን ፊርማን ኣድራሻን ሕጋዊ ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክህልዎ አለዎ
8 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ከምቲ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ካልኢ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት ይብሉን
9 ብተወሳኪ ድማ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑ ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ናዉቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ብጥንቃቄ ትክክለኛን ነፀላ ዋጋ ክምላእ አለዎ
10 ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር ፋይናንስን ምምሕዳር ወረዳ ፅራ ወንበርታ ከተማ ኣጎላዕ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914279411
ድሕሪት