ዘገልገሉ ዝተፋላለዩ ዓይነታት ንብረት ንምሻጥ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ትካልና ፍረ ስዉኣት ስራሕቲ ንግዲ ሓላ/ዝተ/ዉ/ ማሕበር ኣብ ዋና መኸዝኑ ዕላላ ጥቓ ትራንስ ኢትዮጵያን መቐለ ጨንፈርን ኣብ ክ/ከተማ 1ይ ወያነ ዝርከቡ ዘገልገሉ ንብረታት ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ። ኣብቲ ጨረታ ዝሳተፉ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሕታት:
1. ተጫራታይ ናይ 2018 ዓ.ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ ክኽዉን ኣለዎ
2. ተጫራታይ መኽበሪ ጨረታ ብር20,000.00(ብር ዒስራ ሽሕ) ብሽም ትካልና Cpo ዘትሕዝ ክኸዉን ኣለዎ
3. ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ንመሸጣ ዝቐረበ ንብረት ዝገዝእሉ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ብግልፂ ኣብ ዝተዋህበ ሰደቓ ክመልኡ ይግባእ ።
4. ተጫረቲ ቲን ሰርቲፊኬት ክቕርቡ ይግባእ
5. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ ። እንተዘይ ኮይኑ ቫት ከምዘይሓወሰ ተገይሩ ይዉሰድ
6. ተጫረቲ ካብ ሕዳር 19/2018 ዓ.ም ክሳብ ሕዳር 27,2018 ዓ.ም ዘይምለስ ብር 200.00 እናኸፈልኩም ካብ ዋና ቢሮና ኣብ ይሓ ሲቲ ሰንተር ህንፃ 7ይ ቕ እናመፃእኹም ናይ ጨረታ ሰነድ ክትዕድጉ ይግባእ ።
7. ጨረታ ሕዳር 27, 2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለቱ ንጉሆ ሰዓት 3:40 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉዎ
8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ኣብቲ ጨረታ ንዝተዘርዘሩ ንብረታት ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ሓደ ሰሙን ዉሽጢ እቲ ጠቕላላ ዋጋ ምስ ከፈለ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ካብ ዋና መኽዝናን ጨንፈርናን ከልዕል ይግባእ ። እተዘይኣልዒሉ ቅድም ኢሉ ዘትሐዞ ናይ CP.O ገንዘብ ብር 20,000 ናብ ትካልና ኣታዊ ተገይሩ አቲ ጨረታ ተሰሪዙ ካሊእ ኣመራፂ ክንጥቀም ንኽእል ኢና ።
ድሕሪት