1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ጂስን ኣርሲን GC/RC ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም
2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ
3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ
4 ናይ 2018ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
4 ናይ 2018 ዓም ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታን ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎን ከምእዉን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዋና ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
5 ኩሎም ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዘይምለስ 200000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ብስም ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከትሕዝ ዝክእል
6 መከበሪ ጨረታ ዝምለሰሉ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉንወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረት ክፍሊ ቁፅሪ 2 ምዉሳድ ትክእሉ
7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 3/3/2018 ዓም ክሳብ 9/3/2018 ዓም ይከዉን
8 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራቲ ነዚ ስራሕ ንምስራሕ ዘድሊ ናይ ግዜ ሰሌዳ ከቅርብ ዝክእል
9 ተጫረቲ ብቅዑ ናይ ስራሕ ልምዲ ዘለዎም ምካኖም ንምርግጋፅ ነዚ መረዳእታ ዝከዉን ሐደ ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ስራሕ እንተወሐደ 8 ሚልዩን ብዝደለ ፅሬትን መጠንንን ስራሕ ዘረከበ ምካኑን ካብ ዝሰርሐሉ ትካል ናይ ፅሑፍ መረዳእታን ብዋናነት ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
7 መጀመርታ ስራሕ ዝከዉን እንተወሐደ 4 ሚልዩን ዘለዎ ምካኑ ብኣድራሻ ናይ ቤት ፅሕፈትና ብዝተፅሓፈ ናይ ባንኪ ደብዳቤ ምስ ባንከሊ ዝተተመነን ማለት እዉን ካብ ጥቅምቲ 1/2018 ዓም ክሳብ እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ማዓልቲ ናይ ባንኪ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
8 እቲ ስራሕ ብኣግባቡ ንምስራሕ ዝድልዩ ማሽነሪታት ተሽከርከርትን ማለት እዉን ግሪደር : ርሎደር : ዶዘር : እስካቫተር : ሻወር ትራክ : ዳምብ ትራክ : ሲኖትራክ ከምእዉን ፒክኣፕ ናይ ባዕሉ እንተሃሊዎ ናይ ዋንነት መረጋገፂ ሌብሪ ተካሪዩ ዝሰርሕ እንተኮይኑ ድማ ናይ ማሽናትን ተሽከርክርትን ተከራይን ካብ ክልቲኦም ወገናት ካብ 1/3/2018 ዓም ክሳብ እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ዝተአሰረ ዉዕሊ ምስ ጨረታ ሰነድ ኣተሓሒዙ ከቅርብ አለዎ
9 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ንመወዳደሪ ዝኮኑ ቴክኒካል መዓቀኒታት ካብ ዘማልኡ ተወዳደርቲ ዉሽጢ ንኩሎም ስራሕቲ ዝመልእዎ ዋጋ ድምር ዝተሐተተ ዋጋ ዘቅረብ ተጫራቲ ይከዉን
10 አፈፃፅማ ክፍሊት ዝምልከተ ዝተሰርሑ ዝርዝር ስራሕቲ ብባዕል ሞያ እናተረጋገፁ ተኮናታሪ ብዝመልእ ነፀላ ዋጋ እናተባዘሐ ክፍሊት ዝፈፀም ይከዉን
11 ብተጫረቲ ዝቀረበ ናይ ስራሕ ህንፀት መወዳደሪ ሓሳብ ዋጋን ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ዕለትን ሕጋዊ ማህተምን ክህልዎ ይግባእ
12 ዝምላእ መወዳደሪ ዋጋ ብናይ ኢትዩጰያ ብር ጥራሕ ክምላእ አለዎ
13 ተጫረቲ ዝመልእዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ብግልፂ ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተሰረዘ እንተሃሊዎ ኣብ ቅድሚቱ ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ክፍሮሞ ግድን እዩ
14 ኣብ መወዳሪ ዋጋ አብ ሞንጎ ጠቅላላ ዋጋን ነፀላ ዋጋን አፈላለይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንተሃሊዎ ድማ አብ ነፀላ ዋጋ ዝተመለአ ዝዉሰን እዩ
15 ተጫረቲ ናይ ቴክኒካልን ፋይናንሻል ሰነድ ፕሮፎርማ ኦርጅናል አብ ሐደ ፖስታ ከምእዉን ክልተ ኮፒታት አብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ፖስታታት ጠቅላላ ኣብ ሰለሰተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺጎም ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ዝባን እቲ ትሕዝቶ ፖስታ ሽም ሙሉእ ኣድራሻ ተጫራቲ ዝወዳደርሉ ናይ መንገዲ ስራሕ ፍሉይ ቦታ ብምፅሓፍ ናይ ትካሎም ሕጋዊ ማሕተም ሐቲሞም ብምዕሻግ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ወራደ ታሕታይ ኣድያቦ ነዚ ጨረታ እዚ ተናሂሉ ኢሉ ናብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ዕለት 9/3/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ከእትዉ ይግባእ
16 ኩሉ ተጫራታይ ኣብ ዝዕፀወሉ ዕለት ሰዓት ቅድሚ ምክኣሉ ናይ መወዳደሪ ዋጋ መቅረቢ ሰነዶም ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ አድያቦ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ አለዎ
17 ሳንዱቅ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዉ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ልክዕ ሰዓት 4:30 ይክፈት
18 ቤት ፅሕፈትና ካብ ዝቀረበ ጠቅላላ ዋጋ 20 መእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
18 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914363362 / 0914415550
ድሕሪት