ፒቪሲ ኬዚንግ ንምሻጥ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ ምልክታ
ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ – 01/18
ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ኣብ መቐለ ዋና ቢሮ ኣብ መኽዝኑ ዝርከብ PVC Casing 6" × 3m Blind በዝሒ ብቁፅሪ 5,271ን PVC Casing 6" × 3m Screen በዝሒ ብቁፅሪ 2,803ን ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክሸይጥ ይደሊ። ስለዝኾነ ቐፂሎም ዝተዘርዘሩ መዐቀኒ ረቋሒታት ዘማልኡ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ኽሳተፉ ይዕድም።
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቫት ሰርቲፊኬት፣ ናይ ወርሒ ሰነ ወይ ሓምለ 2017 ዓ.ም ቫት ዲክለሬሽን /ቫት ሪፓርት/ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል።
2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 1,000,000.00 (ሓደ ሚልዮን ብር) ብCPO ወይድማ ብባንኪ ጋራንቲ መልክዕ ከትሕዙ ኣለዎም።
3. ተጫረቲ ናይቲ ንመሸጣ ዝቐረበ ንብረት ዝገዝእሉ ዋጋ ብግልፂ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ከቐምጥዎ ይግባእ። ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበር።
4. ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ። ተዘይኾይኑ ቫት ዝሓወሰ ከምዝኾነ ተገይሩ ይውሰድ።
5. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 22/12/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 03/13/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ዘይምለስ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚኢቲ ብር)እናኸፈሉ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ብምውሳድእቲ ንብረት'ውን ብኣካል ምርኣይ ይኽእል።
6. ተጫረቲ ኣብቲ ዘርፊ መንግስታውን ህዝባውን ግልጋሎታት ዝሳተፉ ምኳኖም ዝገልፅ መረዳእታ እንተሃልይዎም ኣብቲ ጨረታ ዝሓሸ ተመራፃይ ይገብሮም።
7 ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ ሓደ ፖስታ ተዓሽጉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ እዚ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 03/13/2017 ዓ/ም ንጎሆ ሰዓት 4፡00 ከእትው ይግባእ።
8. ሰዓራይ ዝፍለ ብጠቅላላ ድምር ዋጋ ናይ ኸልቲኡ ዓይነት ፒቪሲ ኬዚንግ እንትኸውን ሰዓራይ እቲ ዝቐረበ በዝሒ ዝሽየጥ ንብረት ጠቕሊሉ ናይ ምልዓል ግዴታ ኣለዎ።
9. እቲ ጨረታ ዕለት 03/13/2017 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 4፡00 ናይ ንጎሆ ተዓሽጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ናይ ንጎሆ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዘለዉዎ ኣብ ዋና ቢሮ መአከቢ ኣዳራሽ ይኸፈት።ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
10. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ እቲ ንብረት ከምዝሰዓረ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ናብ ናይ ትካል ሒሳብ ቁፅሪ ኣታዊ ምስገበረ ናይ ባንክ ደረሰኝ ሒዙ ብምምፃእ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ፣ መፅዓንን ፃዕንትን እቲ ንብረት ካብ ዝርከበሉ ካብ መቐለ ዋና ቢሮ ከልዕል ይግባእ። ሰዓራይ ኣብቲ ዝተብሃለ ግዜ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ክፍሊት ፈፂሙ እቲ ንብረት እንተዘይኣልዒሉ ትካልና ናይቲ ሰዓራይ ትካል ንጨረታ መኽበሪ ብስፒኦ ወይ ብባንክ ጋራንቲ ዘትሓዞ ገንዘብ ኣታዊ ተገይሩ እቲ ዝሰዓሮ ጨረታ ይስረዝ።
11. በዝሒ ናይቲ ንጨረታ ዝቐረበ ንብረት ካብቲ ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ በዝሒ ክውስኸን ክቕንስን ይኽእል እዩ። ተጫራታይ እቲ በዝሒ እንተኒኡሱን እንተበዚሑን በቲ ዝሰዓሮ ዋጋ ናይ ምውሳድ ግዴታ ኣለዎ።
12. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።
13. ተጫረቲ ንዝደለይዎ ተወሳኺ መብርሂ ብቑፅሪ ስልኪ 03 42- 400316/03 42-401921 ምሕታት ይኽእሉ እዮም።
ድሕሪት