ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ንተምሃሮን ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ምግቢ እታወት ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ
1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 28/08/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 04 /09/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።
2. እቲ ጨረታ ዕለት 04/09/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::
Tel 0344 41-84-42 | Email [email protected]
ድሕሪት