ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 3/2017 ዓ/ም
ኮለጅ ትምህርቲ መምህራን ዓብዪ ዓዲ ኣብ 2017 ዓ/ም ንኮድ 4-00890 ትግ ስካንያ MARCOPOLO MODEL F94HB ዝኾነት ኣዉቶብስ ዝተፈላለዩ መለዋወጢ ኣቑሑትን/SPARE PARIS/ ካልኦትን ኣቑሑት ካብ መደበኛ በጀት ብዝተመደበሉ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ::
ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክወዳደሩ ዝኽእሉ ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ ከማልኡ ይግባእ-
1. በቲ ዝተጠቐሰ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም፣
2. ዝተሓደሰ ቲን ናመበር መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
3. ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
4. ናይ ቫት ተመዝገብቲ ምዃኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
5. ወርሓዊ ዲክለረሽን ምግባሮም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ
6. እዚ ዝስዕብ ጨረታ መኽበሪ /BID BOND/ ቦንድ ከትሕዙ ዝኽእሉ፣
| ተቑ | ዓይነት ግዝኢት | ዝተመደበሉ በጀት | CPO |
|---|---|---|---|
| 6.1 | መለዋወጢ ኣቑሑትን SPARE PARIS ካልኦትን | 6,000,000.00 | 100,000.00 |
7. ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ኮለጅ ትምህርቲ መምህራን ዓብዪ ዓዲ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ናብ ብሽም ኮለጅ ትምህርቲ መምህራን ዓብዪ ዓዲ ዝፍለጥ ባንኪ ሒሳብ ቑፅሪ 1000540451471ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ብጥረ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ መረዳእታ ስሊፕ ባንኪ ከቕርብ ዝኽእል፣
8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ደኩመንት እዚ ጨረታ ብሬድዮ ድምፂ ወያነ ትግራይ ቴሌቪዥን/ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ጉጀለ ዕደጋ /ምም/ንብረትን ሒሳብን ኮለጅና ጨረታ ሰነድ 400 ብር ከፊሎም ብምዉሳድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ /መቐለ ነዚ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ምእታው ይኽእሉ::
9. እቲ ጨረታ ዕለት 4/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፀዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ /መቐለ ዕለት 4/09/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ይኸፈት:: ኣብቲ ዝተባህለ ቦታን ሰዓትን ተጫረቲ ወይ ወኪሎም እንድሕር ዘይተረኺቡ ኣብዘይለዉሉ ይኽፈት
10. ሰዓራይ እቲ ጨረታ ምስቲ ኮሌጅ ሕጋዊ ዉዕሊ ብምእሳር ንጨረታ መኸበሪ ዉዕሊ (PERFORMANCE BOND) ካብ ጠቕላላ ዝሰዓሮ 10% ብCPO/ወይ ብጥረ ገንዘብ ናብ ብሽም ኮለጅ ትምህርቲ መምህራን ዓብዪ ዓዲ ዝፍለጥ ባንኪ ሒሳብ ቑፅሪ 1000540451471ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ብጥረ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ከትሕዝ ዝኽእል
11. ብሰዓራይነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ኣቑሑት ንዘይኣቕረበ መቕረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደምቢ መሰረት ኣብ መዓልቲ 11000 ብር እናተቐፀዐ ንብረት ኣታዊ ይገብር::
12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 15 መዓልቲ ይኸዉን:
13. ተወዳዳሪ ተጫራታይ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ግልፂ ጨረታ ሰነድ ሽሙ ፊርሙኡን ኣድራሽኡን ማሕተምን ናይቲ መቕረባይ (ትካል) ብትኽክል ዘየቕመጠን እቲ ጨረታ ደኩመንት ስርዝድልዝ _ እንተሊዎን ዘቕረቦም መረዳእታት ንግዲ ፍቓድ ብኣግባቡ ዘይንበቡ እንተኾይኖም ካብቲ ጨረታ ይስረዝ:
14. ተጫራታይ እቲ ጨረታ ኣሸኒፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 15 ተኸታታሊ መዓልቲ ብመሰረተ ሞዴል እታ መኪና ኦርጅናል ኣቑሑት ንብረት ብሙሉእነት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝን ናብ መኪና ዘላቶ ጋራጅ መቐለ መፅዐንን መራገፍን ክኢሉ ከቕርብ ዝኽእል
15. ኦርጅናል ዘይኮኑ ንብረታት ምቕራብ ንምልልስን ስራሕ ምጉታትን ዝዕድሙ ስለዝኾኑ ኣብዚ ዉፅእ ኢሎም ዝረአዩ መቕረብቲ ብመንፅር ዘሎ ግዜ ዉዕሎም ሰሪዝካ ቐፂዕኻ ን2ይ መቕረቢ ብእዋኑ ክወሃብ ምግባር፡
16. እቲ ኮለጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ቕድሚ ዉዕሊ ምፍርራም ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ:
17. ተጫራቲ ናይ ሕድሕድ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ምሰ ቫቱ መሊእኹም ንኸተቕርቡ እናፍለጥና ቫት ተመዝጋቢ እናሃለወ ቫት የዉስኸ እዩ ኢሉ ዝመልእ ተጫራቲ ቕቡል ከምዘይኸዉን ነፍልጥ:
ድሕሪት