1 መሳርሒ ፅሕፈት
2 አቁሑት ኤለክትሮኒክስ
3 መሳርሒ ህንፃ ማለት እዉን ሳኒተሪ
4 ፈርኒቸር
5 አቁሑት ሕትመት
6 ስፔር ናይ ሞተር መቀያየሪ አቁሑት
7 ስፔር ናይ መኪና መቀያየሪ አቁሑት
8 ኬሚካል ላብራቶሪ
9 አቁሑት ፅሬት ማለት እዉን ሸቀጣሸቀጥ
10 ዕጥቂ ስፖርት
11 መጋረጃ
Â
ኣብዚ ከትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ክተማልእዎም ዘለኩም ረቋሕታት ዝስዕብ ይከዉን ናይ
- 2007 ዓም ግብሪ ዝከፈለ
- ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ
- ካብ ቁፅሪ 1 ክሳብ ቁፅሪ 7 ንዘለዉ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝትመዝገበን ናይ ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን
- መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ነምበር ናይ መቅረባይ ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ተቅርብዎ ዓይነት ንብረት ፍቃድ ንግዲ ዋናን ቅዳሕን ወረቀት ምስክር ዘለዎን ከቅርብ ዝክእልን
- ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕበን ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ
- Â ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ቁፅሪ 20 ክትወስዱ ትክእሉ
- ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ ሽም አድራሻ ፊርማ ማሕተም ክዓርፎ አለዎ
- ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ በቲ ስፐስፍኬሽን መሰረት ማለት እዉን መዐቀኒ ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ መዐቀኒ ምእታዉ አይፍቀድን
- መክበሪ ጨረታ ንነፍስወከፍ ካብ ቁፅሪ 1 ክሳብ ቁፅሪ 7 5000 ቅርሺ ካብ ቁፅሪ 8 ክሳብ ቁፅሪ 11 ድማ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ Â ከትሕዝ ዝክእል
- ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሎም ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን
- ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣሰር ከሉ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10% ከትሕዝ ዝክእል
- እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
- እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምአድላይነቱ ናይቲ ዝዕደግ አቅሓ ክሳብ 20% ክዉስክን ክቅንስ ይክእል እዩ
- እቲ ሰነድ እንትምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ አይግባእን እንተሃሊዎ ድማ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ
- ጨረታ 22 ግንቦት 2008 ዓም ዝዕፀወሉ ሰዓት 4 ፡00 ዝክፈተሉ ድማ ኣብዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ይከዉን
- ሰዓራይ አካል ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ዘቅርብን መፅዐንን መራገፍን ካብ ባዕሉ ክከፍል አለዎ
- ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ
ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344320094 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት