ምልክታ ጨረታ
YMCA(ወወክማ) ከባቢ ማርያም ጉግሳ ኣብ ዘለዎ ሜዳ ከካሪ ስለዝደለየ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣልሚዑ ክካረ ዝደሊ እዙይ ምልክታ ካብ 09/05/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 16/05/2017 ዓ/ም ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
ተ.ቁ | ስፍሓት ቦታ | ነፀላ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ |
---|---|---|---|
1 | 1000 ሜትር ካሬ | ወርሓዊ ክራይ ክፍሊት | ወርሓዊ ክራይ ክፍሊት |
መተሓሳሰቢ
1. ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ተቐባልነት የብሉን፡፡
2. ዘሸነፈ ኣካል ድሕሪ ናይ ቅሬታ 3ተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ ፡፡
3. ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ብፅፈት ሰሪሑ ክካረ ኣለዎ፡፡
4. እቲ ዝተኻረዮ ቦታ ንኻልእ 3ይ ወገን ከካሪ ይኽእል እዩ፡፡
5. እቲ ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ YMCA(ወወክማ) እዩ፡፡
6. ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ን ካልኣይ ዝተዓወተ/ዘሸነፈ ኣካል ውዕል ከኣስር ይግደድ፡፡
7. እዋን ክራይ ዘመን ብዝምልከት ን 5ተ ዓመት እንትኸውን ብናይ ክልቲኦም ተወዓዓልቲ ስምምዕ ውዕል ክናዋሕ ይኽእል፡፡
8. ካልኦት መሰረታዊ ልምዓት ማለት ድማ ሽንት ቤት ፣ ናይ ሜዳ ኣርቴፊሻል ሳዕሪ ፣ሶላር መብራህቲ ፣ተወሳኪ ሓፁር ጋብዮንን ናይ መፀበይ ቦታ ክሰርሕ ዝኽእል፡፡
9. ወወክማ እዚ ጨረታ ብኸፊል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ፡፡
ድሕሪት