ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ናይ መኪና ዲኮር ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 17, 2017 (8 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰንበት ታሕሳስ 20, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰንበት ታሕሳስ 20, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ምልክታ ፕሮፎርማ - 2017 ዓ.ም

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ናይ መኪና ዲኮር ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ተ.ቁዝርዝር መግለፂስፐስፊኬሽንበዝሒመዐቀኒናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋ
ብርሳንብር
1ኮምፎርት ወልፊትኦርጅናልሴት2
2ሙቐት መከላኸሊዳብል ፌስሴት2
3ናይ መሬት መረጋገፂ3Dሴት2
4መሪ ከቨርሌዘርቁፅሪ2
5ዳሽቦርድ ቅብአትኦርጅናልቁፅሪ4
6ንፋስ መከላኸሊናይ ጅሊሴት1
7ተቐማጢ ሽቶኦርጅናልቁፅሪ1
8ተነፋሒ ሽቶኦርጅናልቁፅሪ1

በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

• በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ክተቕርቡ እትኽአሉ፡፡

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

• ተጫረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ኮምፕሌክስ ህንፃ 1” ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 16/4/2017 ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 20/4/2017 ስዓት 4፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኽእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡

• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣

• ብፕሮፎርማ ኣብ ዝፍፀም ዕደጋ ኣብ መንጎ መቕረባይን ቤት ዕዮን ምውዕዓል ከየድለየ መቕረባይ ዝሃቦ ናይ ዋጋ

መግለፂ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ እቲ ንብረት ዘርክብ፡፡ ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ