1 ናይ ዘመኑ ዝግብኦም ግብሪ ከፊሎም ንግዲ ፍቃዶም ዝሐደሱ ምካኖም መረጋገፂ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ቲን ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳአታ ምስክር ወረቀት ኦርጅናል ምስ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል
3 መቅረባይነት ዝተመዝገበን ናይ ዘመን ዝሐደሰን
4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ ቅድሚ ጨረታ ምካፈቱ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምካፈቱ ዘሎ ወርሒ ቫት ዲክለሪሽን ከቅርብ ዝክእል
5 ተጫራታይ ንዝሰዓሮም ቀወምቲ ኣቀሑት ዉሕስና ክህብ ዝክእል
6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ዉሕስና ንሕድሕድ ሎት ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ብትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ዝፍለጥ ባንኪ ሒሳብ 1000539673727 ኣታዊ ገይሩ ናይ ባንኪ ኣታዊ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
7 መከበሪ ጨረታ ሎት ሐደ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈታት 5000 : ናይ ሕትመት 3000 : ናይ ፅሬት ኣቅሑት 3000 : ደቀቅቲ ኣቅሑት 4000 : ናይ ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ መቀያየሪ ኣቅሑት 10000 :ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ኣክሰሰሪን 15000 :ፈርኒቸር 25000 ብር
8 ተጫረቲ ንዝሸነፍዎ ጨረታ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ፊት ንፊት 200 ሜትሪ እትዉ ኢልካ ዲያስቦራ መንደር ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ዝክእል
9 ተጫራታይ ዝጫረትሉ ዋጋ ኣብ ዝገዝእዎ ኦርጃናል ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ማልት ፖስታ ገይሮም እዚ ምልከታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 10 ተከታታሊ መዓልቲ ነዚ ተባሂሉ ናበ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ዝክእል
10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ 20 መእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን ዉዕሊ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
11 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ ብር ንሕድሕድ ሎት 150 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ሽረ እንዳስሴ ቤት መዘጋጃ ፊት ንፊት 200 ሜትሮ እትዉ ኢልካ ዲያስፖራ ኣብ ዝርከብ ቢሮና 2ይ ደብሪ ምዉሳድ ይከኣል
12 ቤት ፅሕፈትና እብ ዝዳለዎ ናይቲ ትካል ሽም ፊርማ ማህተም ኣድራሻን ስልኪ ቁፅሪ አብ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል
13 ተጫራታይ ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ነንበይኑ ዘቅርብን ብተወሳኪ ነንበይኖም ዝተዓሸጉ ኮይኖም ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም ፊርማ ኣድራሻ ሽምን ስልኪ ቁፅሪን ብምግባር ክልቲኡ ፖስታ ናብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምሽግ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም ፊርማ ኣድራሻ ሽምን ስልኪ ቁፅሪን ብምግባር ኩሎም ምስ ንግዲ ፍቃድ ዝተሓሐዙ ሰነዳት ኣብ ኦርጅናል ሰነድ ዓሺጉ ከቅርበ ዝክእል
14 እዚ ጨረታ ካብ ዝወሐሉ ዕለት ኣብ መበል 11 መዓልቲ ዕለት 7/3/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ሕጋዊ ተጫረቲ ወይ ወከላት ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት
15 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐለሑ ግዜ 30 መዓልቲ እዩ
14 ጨረታ ዘሸነፈ ተወዳዳራይ ዘሸነፎ ንብረታት ብዘካ ናይ ፈርኒቸት ኣቀሑት ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታሊ መዓልቲ ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት ድማ ኣብ 15 ተከታተሊ መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል
15 ተጨረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእ ናይ ተጫራታይ ሽምን ፊርማን ተዘይብሉ ተቀባልነት የብሉን
16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914218508 0914203348
ድሕሪት