ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቁፅሪ፡-330/05/ዕ/ን/ምም/ርን/17 ዕለት 22/02/2017ዓ/ም
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ን2017 በጀት ዓመት ንኣብያተ ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝውዕል ካብ መደበኛ በጀት ናይ ፅሕፈት መሳረሒ፣ፅሬት መሳርሒ፣ሕትመት፣ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑቲን መኪና መለዋወጢ ኣቁሑቲን /ስፔር/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቐሱ ዝርዝር ረቑሓታት እተማልኡ ሕጋውያን መቅረብቲ (ተጫረቲ) ንክትወዳደሩ ንዕድም።
በዚ መሰረት ናይ ተጫረትቲ መምርሒ
1. ተጫረቲ ናይ እትወዳደርሉ ዘርፊ ንግዲ ኣብ ፖሰታኩም ውሽጢ ናይዚ ዘመን ዝተሓዳሰ ንግዲ ሰራሕ ፍቓድኩምን ፤ መቅረባያይነትን ካርዲ ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን'ዩ።
2. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ካርዲ ወይ ቲን ናምበር ፣ ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳእታ ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን'ዩ።
3. ተጫረቲ ብዘይካ ንፅሬት ኣቁሑት፣ ሕትመትን ኤሌክትሮንክስን ንካልኦት ኣቁሑት ዝወዳዱ ተጫረቲ ቫት /value added tax/ ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ መስከረም ወርሒ 2017ዓ/ም /Declaration/ ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቅርቡ ወይም ብፌደራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምም/ር ንብረትን ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሓበሬታ ዝተመዝገበሉ መረዳእታ ዘቅርብ ።
4. ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ዕራእ ወንበርታ ከተማ ኣጉላዕ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ዘይምለስ ብር 300 (ሰለስተ ሚእቲ ብር) ጥራሕ እናከፈሉ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 23/02/2017ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 09/03/2017ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክወስዱ ይኽእሉ።
5. ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፣ፊርማ፣ ኣድራሻ፤ ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክግበሮ ኣለዎ፡፡
6. ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊኢካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን፡፡ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ኣብ ሕድ ሕድ ማተርያል ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቐ ትክክለኛ ነፀላ ዋጋ ከቀምጥ ኣለዎም።
7. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ በቢዝምልከቶም ዘርፊ ናይ መኽበሪ ጨረታ ዝኸዉን ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ CPO ከትሕዙ ኣለዎም።
➢ ንፅሬት ኣቁሑት = 1000/ሓደ ሺሕ ብር/
➢ ንሕትመት = 1000/ሓደ ሺሕ ብር/
➢ ንኤሌክትሮንክስ = 2000/ክልተ ሺሕ ብር/a
➢ ፅሕፈት መሳረሒ = 15000 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሺሕ ብር/
➢ መኪና መለዋወጢ ስፔር = 5000 /ሓሙሽተ ሺሕ ብር/
➢ ንሞተር ሳይክል መለዋወጢ= 3000 /ሰለስተ ሺሕ ብር/
8. ተወዳደርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ንበይኑ ፎቶ ኮፒ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተዓሽገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይከኣል፡፡
9. እቲ ጨረታ ዕለት 09/03/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ረፋድ ተዓፅዩ/ተዓሽጉ/ ብተመሳሳሊ ዕለት 09/03/2017 ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረትቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ኣዳራሽ ይኽፈት ተዘይሃለው እውን ኣብ ውሽጢ ጨረታ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት
10. ተጫረቲ ዝሰዓሩ ይኩን ዘይሰዓሩ ውፅእት ብፅሑፍ ምሰ ቀረበልኩም ኣብ 3' መዓልቲ ውሸጢ ጥርዓን እንተዘይቀሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ጥርዓን ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር።
11. ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ዘሎ ጊዜ ንተከታታሊ 10' / ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ናብ ቤ/ፅ/ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን
ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ከተማ ኣጉላዕ ከረክቡ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም፡፡
12. ሰዓራይ ዘቅርቦ ንብረት ኦርጅናል ምዃኖም ብዝምልከቶም ኣካላት ተረጋግፁ ናብ ስቶር ኣታዊ ምስ ኮነ ክፍል ምሕታት ይክእሉ።
13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምም/ር ፋይናንስን ምም/ር ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ከተማ
ድሕሪት