ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንኣብያተ ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ሞተር ሳይክል ፅገና ፈርኒቸር ፅገና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ናይ ዓመት ውዕለ ኣሲሩ ፅገና ክፅግን ስለ ዝደሊ።

ን2 ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንኣብያተ ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ሞተር ሳይክል ፅገና ፈርኒቸር ፅገና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ናይ ዓመት ውዕለ ኣሲሩ ፅገና ክፅግን ስለ ዝደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኸትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝኽእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ንሞተር ሳይክል ፅገና ብር 4,000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ) ፈርኒቸር ፅገና 4,000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo) ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3.ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 200 (ክልተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።

4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።

5. ጨረታ ካብ ዕለት ዕለት 09/01/2017ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 20/01/2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ይኸፈት።

6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 034 ይኸፈት

7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉ

ይግባእ ።

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።

9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኸቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

11. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።

12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።

13. እዚ ጨረታ ብድምር ዋጋ ዝግበር ውድድር ኮይኑ ኣብ ዝርዝር ዋጋ ክፍቲ ዝገበረ ካብ ጨረታ ወፃኢዝግበር ይከውን።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ