ሆስፒታል መቐለ ናይ ሕሙማት ምግቢ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ኣብዚኣቶም ንክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳድሩ እናዓደምና ተጫረቲ ክትማልእዎ ዝግባእ::
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ
ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ቲን ናምበር " ኣብ ሐዱሽ መቅረብቲ ዝርዝርን ዝተመዝገቡ ምኻኖም ዝገልፅ ናይ ቐረባ ግዜ ዲክለረራንስ ዘለኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቅርቡ ዝክእሉ::
ቫት ተመዝገብቲ ክኮኑ ይግባእ
ጨረታ ሰነድ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ምዉሳድ ዝክእል ኮይኑ መግዝኢ ሰነድ ጨረታ ድማ ብር 30 እዩ ::
ናይ ተጫረቲ ሽምን አድራሻን ከምኡዉን ማህተም ፌርማን ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ክግለፅ አለዎ ::
ናይ ጨረታ መክበሪ (CPO) ብር 3000 ከቅርቡ ዝክእሉ::
ተጫረቲ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ነዚ ተባሂሉ ተዳልዩ አብ ዝወሃቦ ቅጥዒ ተመሊኡ ከቅርብ አለዎ እንተዘይኮይኑ ተቐባልነት የብሉን::
እቲ ጨረታ ዕለት 10/ 02/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 5:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፂዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫራቲ ወይ ሕገዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት::
ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ብናይ መቕረቢ ብክልት ቕዳሕ ኮይኑ ነናይ ባዕሉ ኢንቨሎፕ ብዝተዓሸገ ሽምዒ ክከዉን ኣለዎ
ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ብናይ ሆስፒታልና ዘዳለዎ ሰነድ ክከዉን ኣለዎ ካብዚ ወፃኢ ተቀባልነት የብሉን
ተጫረቲ ሰዓራይ ምኮኑ ካብ ዝፍለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእሉ
ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ሆስፒታልና ኣታዊ ክገብር ዝክእል
ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ አብ ሆስፒታል መቐለ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብ /ምም /ርን ቢሮ ቑፅሪ 62 ይከዉን::
ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዓዓዚ የቅርቡ::
ቤት ዕዩና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ
ካልኦት አብዚ ምልክታ እዚ ዘየተገለፁ ረቓሒታት በመምርሒ ዕዳጋ 2003 ዓ/ም መሰረት ተገዛኢ ዝኽዊን ተጫራታይ ::