ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዳብል ፌስ ኮበርታን ኣንሶላን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 7, 2016 ( ቅድሚ 7 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 17, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5,000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሰነ 17, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዳብል ፌስ ኮበርታን ኣንሶላን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝኽእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ብር 5,000.00(ሓሙሽተ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ

ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ ̈ 300(ሰለስተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።

4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።

5. ጨረታ ካብ ዕለት 07/10/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 17/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት።

6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 033 ይኽፈት ።

7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተምን ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ

ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።

9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ 11.ኣድራሻና ኣብ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ። 12.ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ