ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት እተማልኡ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ብምዉሳድ ንክትወዳደሩ ይዕድም
- ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን
- ብማይ ተንከፍ ስራሕቲ ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብማይ ተንከፍ ዝተሓደሰ ፍቃድ ዘለዎ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ዘቅርብ
- ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ዘቅርብን
- በቲ ዘፈር ሕጋዊ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእ
- ብናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ዝተዉሃበ ናይ በዓል ሞያ መለለየ ካርድ
- ናይ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
- ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 10,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
- ወዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታተልቲ መዓልትታት ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል
- ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ጨረትኦም ቴክኒካል ፋይናንሻልን ሕድሕድ ዋና ምስ ሕድሕድ 2 ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ኣብ 6 ፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ግዴታ አለዎም
- ተወዳደርቲ ብቲ ቤት ዕዮ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይክእልን ብተወሳኪ ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲዝምላእ ሰነድ ናይቲ ትካል ማሕተምን ፊርማን ዘይገበረ ተወዳዳሪ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን
- ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 01 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
- ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 27 መጋቢተ 2008 ዓም ክሳብ 11 ሚያዝያ 2008 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ
- 12 ሚያዝያ 2008 ዓም ሰዓት 3፡00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ይክፈት
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344480183/0344480087 ብምድዋል ወይድማ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት