ትካል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእኸል መቐለ ደረጅኡ ዝሓለወ ዝተፈላለየ ናይ ምፍላጥ ፅሕፈት ስራሕቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 15, 2016 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 20, 2016 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10%
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 21, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • ማርኬትንግን ፕሮሞሽን ግልጋሎት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ምልክታ ጨረታ ናይ ምፍላጥ ፅሕፈት ስራሕቲ

ዋኒኑ ትካል ንምፍላጥ ዝተፈላለየ ፅሕፈት ኣወዳዲርካ ምስራሕ ይምልከት 

ትካል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእኸል መቐለ ደረጅኡ ዝሓለወ ዝተፈላለየ ናይ ምፍላጥ ፅሕፈት ስራሕቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን መስፈርታት እተማልኡ ኣብዚ ዓውደ ስራሕ ዝተዋፈርኩም ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።

1-ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ

2-ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ክኾን ይግባእ

3-ናይ ከፋሊ ተወሳኺ እሴት ታክሲ መረዳእታ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ

4-ትሕጃ ብስፒኦ ካብ ዘእትዎ ዋጋ 10% ዘይምለስ ከትሕዝ ኣለዎ

5-ዝስራሕ ዝርዝር ስራሕቲ ዝተዳለወ ሰነድ ካብ ቁ.3 ምሳድ የድሊ

6-ኣብ ተራ ቁፅሪ 1 ዝተቀመጠ መፈላጢ ሰነድ ብፍራም ዝስራሕ

7-ጠቅላላ ኢንስታሌሽን ብዝሰዓረ ትካል ስለዝካየድ ናይ ባዕሉ ዋጋ ምቅማጥ የድሊ

8-ዝሰዓረ ትካል ጨረታ ካብ ዝተኻየደሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓለቲ ሰሪሑ የጠናቅቅ

9-ዝስራሕ ስቲከር 1ይ ደረጃ ምዃኑ ምፍላጥ

10-ትካልና እዚ ጨረታ ሙሉእ ንሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11-ካብ ትካል ዘቅረቦ መማረፂ ወፃእ ዝቀርብ ዓይነት ንብረት ተቀባልነት የብሉን

12-ኣብ ዝምላእ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት የብሉን

ኣድራሻ

*ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን

*ካብ ዕለት 15/09/2016 ዓ/ም ጀሚሩ-20/09/2016 ዓ/ም

ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት

ዕለት 21/09/2016 ስዓት 3ተ ናይ ረፋድ ይካየድ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ