ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
- ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ማለት እዉን ሊሰት ኦፍ ሳፕላየር ዝርዝር ዝተመዝገብኩም ዘሐደስኩምን
- ናይ 2007 ዓም ግብሪ ዘመን ዝከፈልኩምን ናይ 2008 ዓም ድማ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
- ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝተመዝገብኩም
- ቲን ማለት እዉን መለለዩ ከፋላይነት ግብሪ ምስክር ወረቀት ዘለኩም
- ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉን ዋና መረዳእታኩምን ክተቅርቡ ትክእሉ
- ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሕጋዊ ቼክ ማለት እዉን ሲፒኦ 3000 ቅርሺ ክተትሕዙ ይግባእ
- እቲ ንብረት ብናይ ባዕልኩም መጋዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ብምእታዉ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ ትክእሉ ሰዓርቲ ምካንኩም ምስተፈለጠ ድማ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልትታት ዉዕሊ ክትአስሩ እትክሉን
- ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረገንዘብ ማለት እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ሲፒኦ ማለት እዉን ቼክ 10% ክተትሕዙ ይግባእ
- ካብቲ ዝተቀመጠ መዓልቲ ወይዉን ገደብ እንተሕሊፍኩምÂ ኣብ ዉሽጢ 1 መዓልቲ 0.1% ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ዝቅፅዑ ኮይኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10% እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ አካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ
- ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 25 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ሽራሮ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ከፊልኩም ክትወስዱ ንሕብር
- ሰነድ ጨረታ ካብ 06/ 07 /2008 ዓም ክሳብ 21/ 07/ 2008 ዓም ኣብ ግዘ ስራሕ ክትወስዱ ንዕድም
- ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 21 /07 /2008 ዓም ሰዓት 400 ረፋድ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 430 ይክፈት
- ናይ ነፍስወከፍ ንብረት ዋጋ ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝረ ሰንጠረጅ ጥራሕ ክምላእ ይግባእ
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ
ንተወሳኪ ሓበሬታ 0345500128 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት