
ግልፂ ጨረታ
ዘገልገለ ንብረታት
ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ኣቁሑ ሓፂን መፂን ናይ ዓውዲ መዝበጢት ማሽን ፣ ዓፃዲት እኸሊ ማሽን፣ ትራክተር (Scrap) ፣ ናይ ማይ ትቦ ሓፂን 6 ሜትሮ ፣ናይ መኪና መቀያየሪ ኣቁሑትን ካለኦት ብዝሕ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ንብረታት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ እትደልዩ ኣካላት ዝስዕብ ሮቛሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣ በዚ መሰረት
1) ተወዳደርቲ ብጨረታ ዝሽየጡ ዘገልገሉ ኣቁሑት መዕፀዲት ማሽን ፣ናይ ዓውዲ መዝበጢት ማሽን ፣ ትራክተር(Scrap)ን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ንብረታት ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ ክገዝእዎ ንዝደልዩ ንብረት ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡
2) ኣብ ናይ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር ተቀሚጡ ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዝደልዩዎ ዓይነት ንብረት ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡
3) ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 05/12/2018 ክሳብ 20/12/2018 ዓ/ም፣ ኣብ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፣
4) እቲ ጨረታ ዕለት 20/12/2018 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ፤ሰዓት 3፡30 ኣብ ትካልና ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት፣
5) ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 10,000.00 / ዓሰርተ ሽሕ/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ ፣
6) ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቁፅሪ 2 ዝርከብ ክወስዱ ይኸእሉ ፣
7) ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝግለፀሉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ንብረቱ እንተዘይወሲዱ ዘትሐዞ መኽበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ጥረ ካዝና ኣታዊ ይግበር፡፡
መዓልቲ ሒሳብ ከፊሉ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልና
8) ዝርዝር ድሌት መግለፂ ትካልና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣
9) ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ። ንተሰኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914731592 ምድዋል ይከኣል እዩ