https://tenders.milkta.com/ti/display/20520

ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳሲን ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣብ 2018 ዓም በጀት ዓመት ሐደሽትን ዘገልገሉን ንመሸጣ ዝዉዕል ንብረታት ሐደ ትቦ ማይን መገጣጠሚን ክልተ ሶፍተ ስታተር ስዊች ቦርድ ሰለሰተ ጀነሬተር ኣርባዕተ ገመድ ኤሌክትሪክ ኬብል ሓሙሽተ ሞተር ሳይክልን ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሓምለ 22, 2018 (11 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ነሓሰ 2, 2018 4:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:30,000.00
  • ቦታ:ዕዳጋ ዓርቢ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:1000
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ነሓሰ 2, 2018 5:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳሲን ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣብ 2018 ዓም በጀት ዓመት ሓደሽትን ዘገልገሉን ንመሸጣ ዘኦሉ ንብረታት፦

  1. ቱቦ ማይን መገጣጠሚኡን
  2. ሶፍት ስታርተር ስዊች ቦርድ
  3. ጄነሬተር
  4. ገመድ ኤሌክትሪክ ሃይድ ማኬብል
  5. ሞተርሳይክል
  6. ኮምፕሬሰርን

ካልኦትን ብግልጺ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ስለደለየ፣ ነዞም ስዕሩ ረቓሒታት ተማልኡ ህጋውያን ነጋዶ ክትጫረቱ ይዕድም።

1 ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰ

2 ሕጋዊ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

3 ንግድ ፍቃድ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን መለለይ ግብሪ ከፋላይ ምስቲ ሰነድ ጨረታ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ሓፈሻዊ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ብምምላእ ብዝግባእ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ከእትዉ አለዎም

5 ጨረታ አብ አየር ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ንተከታታሊ 15 መዓልቲታት ስራሕ ጥራሕ ይከዉን

6 ጨረታ ምስተከፈተ ንተከታታሊ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7 ዝተዘለሉ ወይ ዘተረከቡ ዝርዝር ዋጋ ንምፅብራቅ ዝግበር ናይ ዋጋ መስተካካሊ ሜላ ተቀባለነት ይበሉን

8 ተጫረቲ ድሕሪ ጨረታ ምክፋት ለዉጢ ክገብሩ ወይ ዓረሶም ካብ ጨረታ ከግልሉ ኣይክእሉን

9 ሰነደ ጨረታ ዘይምለስ 1000 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዕለት 22/11/2018 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ዕደጋ ዓርቢ ቢሮ ቁፅሪ 2 ክወሰዱ ይክእሉ

10 ናይ ጨረታ መክበሪ 30,000 ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

11 ተጫረቲ ዘሸንፍዎ ንብረት ዉዕሊ ምስኣሰሩ አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናይ ሰራሕ ግዜ ወፃኢ እንተዘየገይሮም ዘትሓዝዎ መክበሪ ዉዕል ይዉረስ

12 እቲ ጨረታ ዘብቅዓሉ መዓልቲ 2/12/2018 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፀዩ በቲ ዕለት ሰዓት ዕለት 5:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት

13 ርክክብ ዝገበሉ እዋን ዉዕሊ ካብ ዝአሰርሉ ግዝ ጀሚሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዕደጋ ዓርቢ ይከዉን

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቦም ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ