https://tenders.milkta.com/ti/display/19597

ትካልና መስፍን ብረታ ብረትና ኢንጂነሪንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ናይ ተረፈ ምህርቲ (leftover) Stainless steel sheet, leftover of galvanized sheet and used rafters ክሸይጥ ስለዝደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 18, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጉንበት 6, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:150,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 6, 2018 4:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ብረታ ብረትና ኢንጂነሪንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ናይ ተረፈ ምህርቲ (leftover) Stainless steel sheet, leftover of galvanized sheet and used rafters ክሸይጥ ስለዝደሊ ዘለኩም ህጋዊ ነጋዶ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት መሰረት ብምግብር ኣብ ጨረታ ንክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም።

ሰደቃ o: - ንጨረታ ክሽየጥ ዝቀረበ ተረፈ ምህርቲ

ተ.ቑመፀውዒ ኣቅሓ/ Descriptionመለክዒ (UOM)ግምትዊ መጠን (Qty)ናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋ
1Stainless Steel Sheet Leftover (LO)Kg129857
2Leftover of Galvanized Sheet and used rafterskg3.000
ንኡሰ ድምር ቅድሚ ቫት
ቫት
ጠቅላላ ድምር ምስ ቫት


ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2018 ዓ.ም

2. ተጫረቲ ንጨረታ ዝቐረበ ተረፈ ምህር

ተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኽእል ክኾውን ኣሎዎ። ፍርያት ካብ ዕለት 27/03/2026 ክሳብ 09/04/2026 አ.ፈ

ኩሉ ግዜ አብ ስራሕ ሰዓት ንጎሆ ካብ ሰዓት 2:00-6:00 ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ ሰዓት 7:30-10:30 ኣ.ግ ክሪኡ ይክእሉ፡፡

3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ቃድን፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅን ናይ የካቲት ወርሒ 2018 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ ሰነዳትን ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 27/03/2026- 09/04/2026 አ.ፈ ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ንጎሆ ካብ ሰዓት 2:00-6:00 ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ ሰዓት 7:30-10:30 ኣ.ግ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚእቲ ቅርሺ) ብምክፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ካብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ክረክቡ ይኽእሉ፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 27/03/2026 ክሳብ 14/04/2026 ዓ.ም. ሰዓት 4:00 ኣ.ግ ከእትዉ MESFIN ይክእሉ፡፡

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ(CPO) ብር 150,000.00 (ብር ሚእቲን ሃምሳን ሽሕ ጥራሕ) ንበይኑ ብዝተኣሽገ ፖስታ ምስ ጨረታ ከእትው ይግባእ፡፡ ጥረ ገንዘብ ይኹን ብፖስታ ዘይተዓሸገ CPO ተቐባልነት የብሉን፡፡

6. ጨረታ ዕለት 14/04/2026 ሰዓት 4:00 ኣ.ግ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣ.ግ ድሌት ዘሎዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት፡፡

7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ከምኡ'ውን ተጫሪቶም ዝሳዓርዎ ንብረት ንኻሊእ ሳልሳይ ወገን ምሕላፍ ኣይካኣልን፡፡ ጨረታ ዶክመንት ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ ። አብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ናይ ይመለሰለይ ሕቶ ብምንም መልክዑ ክስተናገድ ኣይከኣልን።

8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዘይሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ

9. ተጫረቲ ንሕድሕድ ተረፈ ምሕርቲ ነፀላ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ኪ.ግ ከርእዩ ዝግባእ እንትኮን ናይ ድምርን ስልሕትን ጌጋታት እንተሃሊዩ ተጫራታይ ሓላፊነት ይወስድ፤ትካልና ናይ ተጫራታይ ስልሕት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፊነት ኣይወስድን።

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን ዝሰዓሩዎ ተረፈ ምሕረቲ ብዉዕሊ መሰረት ከልዕሉ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዝዎ CPO ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ፡

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ተረፈ ምህረቲ እንትርከቡ ናይ በዝሒ ኣፈላላይ እንተጋጢሙ በቲ ዝተረኽበ በዝሒ መሰረት ኣቕሑ ናይ ምቅባል ግዴታ ኣለዎ ።

12. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዚ ጨረታ ምልዓል ዝተትሓሓዙ ኩሉ ዓይነት ወፃኢታት ማለት ናይ ሰብ ሓይሊ፣ ናይ ትራንስፖርት---ወዘተ ኩሉ ባዕሉ ክኸፍል ይግባእ፤ ትካልና ምስዚ ጨረታ ዝተትሓሓዘ ምንም ዓይነት ናይ ሰዓሪ ተጫራቲ ወፃኢታት ኣይሽፍንን።

13. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስልኪ ቁፅርታት ምሕታት ይካአል

መቐለ

ስልክ 0914708567 / 0914726169