https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16850

ትካልና ቢኤምኣር ሪል እስቴት ሓ/ዝተወ/ው/ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ንዝርከብ City Mal ፕሮጀክት ናይ ዝተቆፈረ ሓመድ ምጉሓፍ(Cart away) ስራሕቲ ንምስራሕ ስለዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 19, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 23, 2017 04:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: -18, 1745 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት/

ጨረታ ምልክታ

ትካልና ቢኤምኣር ሪል እስቴት ሓ/ዝተወ/ው/ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ንዝርከብ City Mal ፕሮጀክት ናይ ዝተቆፈረ ሓመድ ምጉሓፍ(Cart away) ስራሕቲ ንምስራሕ ስለዝደለየ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 23/07/2017 ዓ.ም ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ትወዳደርሉ ፕሮፎርማ ክተቕርቡ እንዳገለዕና ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግበአኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ምዃኑ ንሕብር።

1. ብዘርፉ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ።

2. ቲን ናምበር ዝተመዝገበሉ ሰርቲፍኬት ከቕርብ ዝኸእል ።

3. ቫት ተመዝጋቢ ኮይኑ ዝተመዝገበሉ ሰርቲፍኬት ከቕርብ ዝኽእል።

4. ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ እቲ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።

5. ዘእተውዎ ዋጋ ቅድሚ ቫት ወይ ድሕሪ ቫት ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ኣለዎ።

6. ናይ ጨረታ ሰነድ ብኦርጅናልን ኮፕን ኮይኑ ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቐርብ ኣለዎ። መተሓሳሰቢ፦ ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኣድራሻና፦ ኣብ ከባቢ ዋና ጨንፈር ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ፊት ንፊት ዝርከብ ህንፃ