https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15611

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ናይ 2017 ዓ/ም ናይ ተሽከርከርቲ ዓመታዊ ቴክኒክ ምርመራ ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 16, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጥቅምቲ 21, 2017 03:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጥቅምቲ 21, 2017 03:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት/ ግልጋሎት ስልጠና መኪና ምዝዋር/

ፕሮፎርማ ምልክታ

ናይ ተሽከርከርቲ ዓመታዊ ምርመራ

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ናይ 2017 ዓ/ም ናይ ተሽከርከርቲ ዓመታዊ ቴክኒክ ምርመራ ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ

1. ዝተሓደሰ ንግዲፍቓድ'ቲን ናምበርን ቫት ሰርተፍኬት ዘለኩምን ኮፒ ክተተሓሕዙ እትኽእሉ

2. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ካላውዶ ፍቓድ ዘለኩም ኮፒ ክተተሓሕዙ እትኽእሉ

3. ናይ ፌደራል (ኣዲስ ኣበባ) ትግራይ መንገዲ ትራንስፖርት ፍቓድ ዘለኩም ኮፒ ክተተሓሕዙ እትኽእሉ

4. ናይ 4(ዓርባዕተ) ሰብ ሞያ (ቴክኒሻን) ሰርተፍኬትን ናይ ሞያ ብቕዓት ዘለኩም ኮፒ ክተተሓሕዙ እትኽእሉ

5. ምስቲ ናይ ትካልና ስራሕቲ ኣብ ፕሮጀክት /ሳይት/ ተንቐሳቒሱ ክሰርሕ ዝኽእል

6. ሰዓራይ ናይ ዝሰዓሮ 10% ሲፒኦ ብምትሓዝ ውዕሊ ስምምዕነት ክፍፅም ዝኽእል

7. ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ዕለት 16/2/17-21/2/17 ሰዓት 3:00

8. ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 21/2/17 ሰዓት 3:30

9.ተጫረቲ ኣብቲ ዘቕረብዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልው የብሉን እንተሃልዩ ድማ

ዝተኣረመ ምኳኑ ብፊርማ ክረጋገፅ ኣለዎ

10. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑዕሪ ስልኪ 0342401921 ብምድዋል ወይድማ ዕዳጋ ቐዳም ኣብዝርከብ ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ምጥያቕ ወይ ፕሮፎርማ ምውሳድ ይከኣል።

11.ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ወይ ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።