ኣብ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ ናይ ዘርኢ ኣግራብ ሃብቲ ተፈጥሮ ቀለብ እንስሳን ንዝወዳደሩ ከማልእዎ ዝግባእ ረቀሒ
1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይዚ ዘበን ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ
2 መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ
3 ናብ ዝርዝር መቅረባየነት ዝተመዝገበን ዘሐደሰን
4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋባይ ኮይኑ ናይ ወርሒ መስከረም 2007 ዓ∙ ም ፀብፃብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል
5 ኩሉ ዝተሓተተ መረዳእታ ዋናን ቅዱሑን ከቅርብ ዝክእል
ኣብ ናይ ማይ ተንከፍ ቼክ ዳም ዝወዳደሩ ተጫረቲ ክተማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት
እቲ ቅድም ኢሉ ዝተዘርዘሩ ከምዘሎ ኮይኑ
6 ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብማይ ተንከፍ ኮንስትራክሽን ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎ
7 ብስራሕቲ ኮንስትራክሽን ማይ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ዘለዎ
8 ስረሕቲ መሰረት ዲዛይን ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል
9 ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ አድላዩ መረዳእታ ናይቲ ፕሮጀክትሓደ ፖስታ ዋና ክልተ ፖሰታ ቅዳሕ በበይኑ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ተዓሺጎም ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ብማርከር ብምፅሓፍ ንነፍስወከፍ ፖስን ሰነድን ማሕተም ፊርማን ብምዕራፍ ከቅርቡ አለዎም
10 ተጫራታይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ወይንም ቢድቦንድ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ ናይ ዘርኢ ኣግራብ ሃብቲ ተፈጥሮ ፣ ቀለብ እንስሳን ንነፍስወከፍ 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእልንቅብብል ቼክ ዳመ ድማ ብሲፒኦ 20,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
11 ተጫራቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምዉሳድ ዝርዝር ዋግኡ መሊኡ ኣብቲ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
12 እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 9 ሕዳር 2008 ክሳብ 28 ሕዳር 2008 ዓ ∙ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ መዓልትታት ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 28 ሕዳር 2008 ዓ ∙ም ሰዓት 4፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ብግልፂ ይክፈት
13 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ 40 መዓልትታት ኮይኑ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታተልቲ መዓልትታት ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ እንዳባጉና ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ክቅርብ ዝክእል
14 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብቲ ዝቀረበ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክን ናይ ምንካይን መሰል ኣለዎ
15 እቲ ቤት ፅሕፈትነና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።