1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ (ቲን) ዘለዎን መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከቅርቡ ዝኽእሉ ከምኡውን ናይ ወርሒ ለካቲት/ሚያዝያ መጋቢት ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤
2 ሰነድ ጨረታ ካብ 28/11/2011 ዓ/ም ክሳብ 08/01/2012 ዓ/ም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 23 ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።
3 ጨረታ መክበሪ ብር 3,000.00 ሽሕ ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ አለዎም::
4 እቲ ጨረታ 08/01/2011 ዓ/ም ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት 4:00 ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ቦታ ይክፈት።
5 እቲ ቢሮ ዝዕድጎም ኣቅሑት ከምኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።
6 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 45 መዓልቲ ይኸውን።
7 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤
7 ተጫረቲ እተቅርብዎ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊስኩም ክተቅርቡ ኣለኩም። (ቫት ይሓውስ እዩ) ኢልካ ምፅሓፍ ኣይከኣልን።
8 ሰዓራይ ዘሰዓሮም ኣቅሑት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብቲ ቢሮ ኣታዊ ይገብር።
9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ከይዲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንዝበለፀ ሓበሬታ እቲ ቢሮ ዝርከበሉ ቦታ ኮምፕሌክስ (ናይ ሓባር ህንፃ) ብኣካል ብምምፃእ ብስ.ቁፅሪ 0344-408877 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።