ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

3 ቫት ምምዝጋብኩምን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2011ዓ/ም ወርሓዊ ድክለረሽን ዝገበርክሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

4 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተአሸገ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ቕዳሕን ኮይኑ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

5 እቲ ጨረታ ካብ 08/10/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 24/10/2011 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

6 መሸነፊ ትካል ኣብ ዝተውሃቦ መዓልቲ ዘቅርብን ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ዝክእል፤ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ዘየቅረበ ተወዳዳሪ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰ ርዱእ ተገይሩ ይውሰድ፡

7 ተጫረቲ ንዝተውሃቦም ዝርዝር መዐቀኒ መሰረት ዋርድያታት ምስዕጥቆም ከዳሉ ኣለዎ፡፡

ሰዓሪ ኣካል ውዕሊ ካብ ዝአሳረሉ ዕለት ጀሚሩ 1ዓመት ሙሉእ ከገልግል ዝክእል፤

8 ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

9 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክ ምቅናስ መሰል ኣለዎ፡፡

10 ኩሎም ስምምዕነት እቲ ጨረታ ብስርዓት መምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 መምርሒ ዕደጋ ቁፅሪ 04/2007 ዝተፈፀመ ይከውን፡፡

11 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

12 ንተወሳኪ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 መምርሒ ቁፅሪ 04 /2007 ተግባራዊ ይከውን፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 0344-404715 ምድዋል ይከአል::