ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ፍረወይኒ

1 ንቤት ዕዮና /ትካልና/ ኦዲት ንምክያድ ዘክእል ብርኪ ሓደ ወይ ክልተ ወረቀት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ ዘለዎም፤

2 ናይ 2011ዓ/ም ወረቀት ምስክር መረጋፂ ብቅዓት ሞያን ዘሐደሰን ንግዲ ምዝባ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ/ተመዝጋቢ ንዝኮነ/ ፣መለለይ ቁፅሪ ካልኦት ንጨረታ ዝጠቅሙ መቅረባይነትን መረዳእታ ኣታሒዙ ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ኦዲት ዝገብር ሒሳብ ኣብ ፍረወይኒ ከተማ /ትካል ምዃኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ 12/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 27/09/2011 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት አገልግሎት መስተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳርን ንብረትን ምውሳድ ይከኣል።

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን መወዳደሪ ቅጥዕታት ብዝግባእ ብምምላእ ደ/ መረዳእታኦም ምስ ዋና /ኦርጂናል ብምግንዛብ ፋይናንሻል/ዋጋ/ መወዳደሪ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካልን ድማ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ በጠቅላላ ኣብ 4ተ ፖስታ ብዝግባእ ተዓሺጉ ኣብ ሕድሕዱ ፖስታ ድማ ናይ ተጫራቲ ሽም፣ ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ኦርጂናል /ዋና/ ኮፒን ተባሉ ተፃሒፉሉን ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፍረወይኒ ቀረብ መስተ ማይ ቢሮ ቁፅሪ 4 ዝተዳለወ ሳፁን /ሳንዱቅ/ ካብ 12/09/201ዓ/ም ክሳብ 27/09/2011ዓ/ም ክእትው ኣለዎም፤

6 እቲ ጨረታ 27/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 9:30 ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ቤት ፅሕፈት አገልግሎት መስተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳርን ንብረትን ይክፈት።

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344-470092 ምድዋል ይከኣል፤