ቢሮ ርክብ ህዝቢ መንግስትን ክልል ትግራይ

ጨ.ቁ.ቢ.ር.ህ.ክ.ት/ኣቅ-04/2011 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት መከበሪ ጨረታ 5000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

ጨ.ቁ.ቢ.ር.ህ.ክ.ት/ኣቅ-05/2011 ናይ መኪና ጎማ መከበሪ ጨረታ 4000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎም : ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን ናይ መወዳእታ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን

2 መፍለይ ቁፅሪ /TIN NUMBER/ : ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረዳእታ ማለት እዉን መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ዋጋ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ ቅርሺ ብር / ብምኽፋል ጨረታ ሰነደ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 22 ካብ ዕለት 05/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 23/09/2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት መፂእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

4 እቲ ጨረታ ዕለት 23/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ልዕል ኢሉ አብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት::

5 ቢሮና ዝዕድጎም አቐሑት ከምኣድላይነቱ 20 % ናይ ምዉሳክ ወይም ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

6 ኣብዚ ጨረታሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % አትሒዙ ዉዕሊ ብምእሳር አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንብረት ከረክብ ዝክእል

7 ሰዓራይ ንዘሽነፎም አቐሑት በቲ ዝወፀ ስፐስፊክሽን መሰረት ኦርጅናል አቁሑት ምኮኖም ምስተረጋገፁ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና አታዊ ይገብር::

8 እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 መዓልቲታት ዝፀንዕ ይከዉን

9 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮና ዝርከበሉ ፊት ለፊት ኣግአዚ ባንኪ ጎኒ ዘዩርዳኖስ ሆቴል ስቑ 0344 40 93 43 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ::