1 በቲ ዘርፊ ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን ቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል፤
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ / Tin/ ን VAT ንሰርቲፊኬት ናይ የካቲት2011ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤
3 ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ዋናን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፤
4 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ እቲ ንብረት ብፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል፤
6 ናይ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።
7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ብር እናፈልኩም ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዳይሬክተራት ዕ/ፋይ/ን/ምም/ር /ንብረትን 2-19 ወይ 2-01 ካብ 14/08/2011ዓ/ም ክሳብ 29/08/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜያት ኣብ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይኽእል።
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መኸበሪ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል፤
9 እቲ ጨረታ 29/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ሰዓት 9፡00 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዳይሬክተራት ዕ/ፋይ/ን/ምም/ር /ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 219 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት::
10 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
11 እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቢሮና ናይቲ ዝውገድ ንብረት 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።
12 ሰዓራይ ናይቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ናብ ባንኪ ኣተዊ ምስገበሩ ንብረት ይወስድዎ፤
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-4105291/0344-415152 / ናይ ውሽጢ መስመር ስልኪ 227 ወይ 265 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ።