ኤጀንሲ ማዕድን ኤነርጂ ክልል ትግራይ

ክማልኡ ዝግብኦም ረቆሒታት

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ፣ሓዱሽ ምቅረባይነትን ዘሐደሰን፣መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርቡ ዝክእሉ፤ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኾንኩም ብተወሳኪ ድማ ናይ ጥሪ ወርሒ 2011 ዓ/ም ቫት ዲክረሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ ::

2 ተጫረቲ ናይ መክበሪ ጨረታ ንሕትመት 2000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ነኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ብር 3000.00 ቅርሺ፣ን ኮምፒተርን ናይ ኮምፒተር ኣክሰሰሪ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ አለዎም ::

3 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩሜንትን ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህንፃ ኤጀንሲ ማዕድንን ኢነርጂ ቢሮ ቑፅሪ 115 ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 19/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ብስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከአል:

4 ሰነድ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 03/07/2011 ዓ/ም

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 04/07/2011 ዓ/ም::

6 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 19/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንግሆ ተዓፅዩ ሰዓት ሰዓት 4፡00 ይክፈት፡፡

7 ጨረታ ዘሸነፉ መቅረብቲ ንዝሰዓርዎ ኣቀሓ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ መራገፊ መጋዓዝያ  ናብ ቤት ዕዩና የቅርቡ::

8 በቲ ጨረታ ዝተሰዓሩ መቅረብቲ ወይ ግልጋሎት ወሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአን ሰዓራይ ተፈሊጡ ዉዕሊ ምስአሰረ ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ይምለሰሎም::

9 ጨረታ ሰዓራይ መቕረቢ እቲ ንብረት ዉዕል ካብ ዝአሰርሉ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ዝግበር::

10 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርበሉ በቲ ዝወፀ ስፐስፌኬሽን መሰረት ፅሬቶም ዝሐለዉን ኦርጅናልን ምኻኖም አረጋጊፁ ክመልእ ይግባእ::

11 ካብቲ ዝተቀመጠ ስፐስፌኬሽን ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ተባሂሉ ዋጋ ከቕምጥን አብቲ ስፐስፊኬሽን ዘይተነፀረ ንብረት ምቅማጥ ኣይፍቐድን ዉድቂ ድማ ይኸዉን::

12 ቤት ዕዩና ዝተቀመጠ በዝሒ ክዉስክን ክቅንስን ይኽእል እዩ::

13 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ::

14 ተጫራታይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘሓወሰ ክከውን ኣለዎ፡፡

ኀ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-401209/0344-401215ፋክስ0342-407161 ምድዋል ይካአል እዩ::