ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ

1 ተወሳኺ እሴት /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ወርሓዊ ድክለር ዝገብረን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን፤

2 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /Tin number/ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል፤

3 ናይ መቅረባይነትን ግልጋሎት ወሃባይነትን ፈቃድ ዘለዎን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን

4 ጨረታ መኽበሪ ናይ ምግብና መሳርሒ ኣቅሑት ( ስፒኦ) 20000.00 ( ዒስራ ሽሕ ብር)፣  ምስ ሰነድ ጨረታ ኣብ ፖስታ ዓሺጎም አታሒሒዞም ከቅርቡ አለዎም።

5 ተወዳደርቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሮም ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ከቅርቡ ዝኸእሉ፤

6 ተወዳደረቲ ነንሕድሕድ ሰነድ 100.00 ብር ብምክፋል ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም ፊርማን ሙሉእ ኣድራሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ 22/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 10:00 ቀትሪ ኣብ ኩሉግዜ ኣብ መስሪያቤትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታው ዝኽእሉ ኾይኖም አብቲ ዕለት ሰዓት 10:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 10:30 ተጫረቲ አብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።

7 ኣብ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ።

8 ኮሚሽና ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኮይኑ ብተወሳኪ ዉን 20 % ናይ ምዉሳክ ምቅናስን ከምዝክእል እዩ።

9 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-406577 ወይ ድማ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ምሕታት ይክእሉ።