ቤት ፅሕፍት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት

1 ናይ ዘበኑ ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ፣ቲን ናምበር፣ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ፣ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘለኩም ፣ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ዲክላርሲዮን ዘማላእኩምን ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩምን፣ኣብ ናይ HDPR PPRን ቱቦታትን መገጣጠሚኡን ኣቅሑት፣ብረት ቱቦ መገጣጠሚን ቆፀርቲ ማይን ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክን ፓምፕን፣ ኣቅሑት ጎማን ባትርን  ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 50 እናከፈልኩም መከበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ክትወዳደሩ ይዕድም፤

2 ንመለዋጢ ኣቅሑት ብሽክሌታን ፣መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክልን ባጃጅን ፣ሞባይልን መለዋወጢ ኣቁሑት ሞባይል፣ እትወዳደሩ ተጫረቲ ድማ ብዘይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ዘይምለስ 30.00 ቕርሺ እናኸፈልኩም መከበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/05/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 11/06/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን አብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓዲግራት ካብ ቢሮ ቁፅሪ 7 ናይ ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ አብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ይዕድም፤

3 እቲ ጨረታ 11/06/2011 ልክዕ ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ድሕሪ ሰዓት አብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ብዘለዉሉ ዝክፈት ይከዉን፤

4 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-452872 ወይ 0344-450106 ምሕታት ይከአል፤