ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ

1 ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈለን ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን፤

2 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2011 ዘለዎ፣ ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቲን ናምበር ዘለዎ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ወርሓዊ ሒሰብን ዝፈለጠሉን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011ዓ/ም ቫት ዲክለሬሽን ዘቅርብ፤

3 ሰነድ ጨረታ ካብ ወረዳ መረብ ለከ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 29/04/2011ዓ/ም ክሳብ 13/05/2011ዓ/ም ምዉሳድ ይከኣል።

4 ቅድሚ ምክፋቱ 5000.00 መክበሪ ጨረታ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ  ብዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎ።

5 እቲ ንብረት ብናይ መቅረብቲ ወፃኢ ዝጋዓዓዝ ኮይኑ ኣቅሑ መለዋወጢ መኪና ናብ ጋራዥ ተስፋይ ኣስመላሽ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣታዊ ይገብር።እቲ ዝተረፈ ናብ ከተማ ራማ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ ኣታዊ ይግበር።

6 ሰዓራይ ውዕሊ 10% መኸበሪ ትሒዙ ንብረት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

5 እቲ ጨረታ 14/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30  ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ መረብ ለኸ  ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ኬዝ ቲም ይክፈት።

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0345-550125/550672 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።