ቤት ፅሕፈተ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ

1 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 08/04/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 22/04/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ዘይመለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ አላጀ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ብምዉሳድ ንክትጫረቱ ይዕድም።

2 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መረደእታ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ከፋላይ መረደእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ኣብ ተወሳኬ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ዝኮነን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ወይ ሕዳር 2011 ዓ/ም መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ መቅረባይነት ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርበ ዝክእል፤

6 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ኣብ ዝተገበረ ጨረታ ናይ በዝሒ 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ከም ዝከኣል ምፍላጥ የድሊ፤

8 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን ንመሳርሒ ህንፃ 21/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ቀትሪ ተዓፀዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ይክፈት። ንስራሕቲ ሕትመት 23/04/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፀዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ይክፈት።  ንመለዋወጢ ኣቅሑት መካይን 24/04/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

10 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-210082 ወይ 0344-210276

Emba Alaje office of finance and plan