1 ምስ ምግቢ ዝተትሓሐዘ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም 2010/2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም
2 ናይ 2011 ዓ∙ ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ መለለዩ ቁፅሪ ወይ ድማ ቲን ነምበር ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ምስክር ወረቀት ከምኡዉን ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ∙ ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ምስ ዘይምለስ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝኸእል።
3 ማሕበራት እውን ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾኑን ብተወሳኺ በቲ ናይ ማሕበር ሕጊን ደንቢን መሰረት ዘማልኡ ከኾኑ ኣለዎም።
4 ተጫረቲ ኣብ ዝቀርብ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን ።ከምኡዉን ናይቲ ትካል ሽምን ፊርማን:ኣድራሻን:ክህሉ ኣለዎ ። አብ ምግቢ እትወዳደሩ ተወዳዳሮ ነጋዶ ንሓደ ናይ ሕጊ ተሃናፃይ መዓልታዊ 15 ቅርሺ ምስ ቫቱ ምካኑ ፈሊጥኩም ክትወዳደሩ ይግባእ።
5 እቲ ጨረታ ዝርከበሉ ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ኣክሱም ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 ብምቅራብ ንዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኩም ክትወስዱ ንሕብር።
6 እቲ ጨረታ ዝወፀአኣሉ ዕለት 19/03/2011ዓ/ም ክሳብ 05/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረከብ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ትኸእሉ።
7 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት እሱ 05/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4፡ 15 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት። ዘይተረኪቦም ድማ ኣብ ዘየለውሉ ይኽፈት።
8 መኸበሪ ጨረታ ንምግቢ 20000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእል ፤
9 ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም እቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347-754682 ምድዋል ይከኣል እዩ