ኤንተርፕራይዝ መፅናዕቲን ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ

1 ብዘርፉ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2  ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ቲን ቁፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

3 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ  ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ። :ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

5 ጨረታ ሰነድ ፋይንሻልን ቴክኒካልን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ።

6 ዝተኣዘዘ ንብረት ኣሸናፊ ኮይኖም እንትረኸቡ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይግበሩ።

7 መቅረባይ ከይፈፀሞ ካብ ዝተረፈ ጠቅላላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ በብመዓልቱ 0.1% ወይ 1/1000  ቅፅዓት ዝከፍል ምዃኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ።

8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 14/03/2011 -28/03/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

9 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ  ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556  ምርካብ ይካአል እዩ::