ኣብያተ ፍርዲ ወረዳ ላዕላይ ማይጨውን ከተማ ኣክሱምን

1 ተጫራታይ ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ እንተኾይኑ ዝሰዓሮ ንበረት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኣጠናቂቁ ከቅርብ ይግባእ።

2 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ 5000.00 (ሓሙሸተ ሽሕ ቅርሺ ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከቅርብ አለዎ።

3 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራቲ ውዕሊ እንትኣሰር ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ኾይኑ ውዕሊ ዝኣስረ ናይ ዝሰዓሮ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ናይ ምአሳር ጥብቂ ኣለዎ።

4 ቅሬታ ምቅራብ ዝከኣል ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ 3 መዓልቲ ይኸውን።

5 ተጫረቲ ሕጋዊ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ምዃኖምን ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ (tin number ) መረዳእታ ብቅዳሕ ብምግባር ከተሓሕዙ ይግባእ።

6 እዚ ጨረታ ካብ 09/02/2011ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዘር ንብረታት ዘረኢ ሰነድ ብምሓዝ ዘይምለስ 20.00 ም(ዒስራ ቅርሺ ) ብምኽፋል ካብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ቤት ፍርዲ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ምም/ንብረትን ኣከሱም ብምውሳድ ብሽምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ክሳብ 29/02/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሳንዱቅ ክትእትው ይግባእ።

7 ሳንዱቅ ጨረታ ዝእሸገሉ ዕለት 29/02/2011ዓ/ም ሰዓት 11:30 ድ.ቀትሪ ይኸውን።

8 ፖስታ ዝኽፈተሉ ዕለት 30/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅ.ቀትሪ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ቤት ፍርዲ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ይኽፈት።

9 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ የቅርብ።

10 ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ክረከቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ይገልፅ።

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ነብሲ ወከፍ ኣቕሓ ክሳብ 20% ክውስኽ ወይ ክቅንስ ይኸእል እዩ።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0348-756348 /0914-767255 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።