ቢሮ ርክብ ህዝቢ መንግስትን ክልል ትግራይ

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎም : ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን ናይ መወዳእታ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን

2 መፍለይ ቁፅሪ /TIN NUMBER/ : ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረዳእታ ማለት እዉን መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክእሉ

3 መክበሪ ጨረታ 4000.00 /አርባዕተ ሸሕ / ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይም ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ::

4 ዋጋ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ ቅርሺ ብር / ብምኽፋል ጨረታ ሰነደ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 22 ካብ ዕለት 1/12/ 2010 ዓ/ም ክሳብ 22/12/ 2010 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት መፂእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

4 እቲ ጨረታ ዕለት 22 /12/ 2010 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ልዕል ኢሉ አብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት::

5 ቢሮና ዝዕድጎም አቐሑት ከምኣድላይነቱ 20 % ናይ ምዉሳክ ወይም ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

6 ኣብዚ ጨረታሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % አትሒዙ ዉዕሊ ብምእሳር አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንብረት ከረክብ ዝክእል

7 ሰዓራይ ንዘሽነፎም አቐሑት በቲ ዝወፀ ስፐስፊክሽን መሰረት ኦርጅናል አቁሑት ምኮኖም ምስተረጋገፁ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና አታዊ ይገብር::

8 እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 መዓልቲታት ዝፀንዕ ይከዉን

9 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮና ዝርከበሉ ፊት ለፊት ኣግአዚ ባንኪ ጎኒ ዘዩርዳኖስ ሆቴል ስቑ 0344 40 93 43 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ::