ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታከስ /VAT/ ዝተመዝገቡ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ መጋቢት/ ሚያዝያ 2010 ዓም ቫት ድክለሬሽን ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ኤጀንስና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማሀተምን ፌርማን ዘለዎ ክከዉን ኦርጅናል ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእልቲን

7 ተጫራቲ ዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 50 ጥራሕ እናከፈሉ ካብ ናይ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 2-20 ካብ ዕለት 2/9/2010 ዓም ክሳብ 16/9/2010 ዓም ኣብ ዘሎ ግዚያት አብ ናይ ስራሕ ሰዓተ ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዘእኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ንምድብ 1 ን ምድብ 3 ብር 3000 ንምድብ 2ተ ብር 2000 ብሸም ኤጀንስና ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሐበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ / Information Communication Technology Agency / CPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ኤጀንስና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል

9 እቲ ጨረታ ዕለት 16/9/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓተ 5:00 ቅ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሰሲ ቴክኖሎጂ ሐበሬታ ርክብን ክልል ትገራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ደጀን ቢሮ ቑፅሪ 2-20 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

10 ኤጀንሲና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንስና ናይቲ ዝፍግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ / ክዉስክ ይክእል እዩ

13 ሰዓራይ እቲ ዘቅርቦ ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱን ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

ሐበሬታ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል