ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

ኣብ ፓምፕ ሞተር ማይ ዝወዳደርሩ መቅረብቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሰ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግበሪ ዘለኩምን

2 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ ዝሐደሰን

3 ኣብ ተወሳኪ እስት ታክስ ተመዝጋቢ ኮይኖም ናይ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓም ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል

4 ኩሉ ዝተሐተተ መረድእታ ኣብ ተራ ቁፅሪ 1,2,3 ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ካልኣይ ኣብ ናይ መስኖ ስትራክቸር ወይ ዳይቭርሽን ንዝወዳደሩ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ ኣብ ተራ ቁፅሪ 1,2,3 4 ዝተዘርዘሩ ከም ዘሎ ኮይኑ ብደረጃ 9 ማይ ተንከፍ ኮንስትራክሽን ኣናእሽተይ ንግድን ትካላት ዝተሐደሰ ናይ ደኣንት ምስክር ወረቀት ዘለዎ

6 ዝተሐደሰ ናይ ማይ ተክንፍ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ምስክር ወረቀት ዝተማለአ ሰነድ ጨረታ ሐደ ፖስታ ዋና ክልተ ፖስታ ቅዳሕ በበይኖም መሊኦም ብሐደ ዓብይ ፖስታ ዓሺጎም ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ብምፅሓፍ ንሕድሕድ ፖስታ ሰነድን ማህተም ብምዕራፍ ከቅረቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና ወይ መከበሪ ቢድቦንድ ንዳይቭርዥን ብስፒኦ 15000 ቅርሺ ናይ ፓምፕ ሞተር ማይ ስፒኦ 10000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል

8 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅረሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስረሕ ዕደጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር መሊኦም ኣብ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ

9 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 3 መጋቢት 2010 ዓም ክሳብ 24 መጋቢት 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ኣብ ዘሎ ማዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ድማ 24 መጋቢት 2010 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብግልፂ ይክፈት

10 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታታሊ 30 መዓልቲ ኮይኑ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንዳይቫርሽን ኣብ ዉሽጢ 70 ተከታታሊ መዓልቲ ብመሰረት እስፔስፊኬሽን ሰርሑ ከረክብ ዝክእል ንፓምፕ ሞተር ማይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ብመሰረት እስፔስፊኬሽን ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታታል ማዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ ዳባጎና ባዕሉ ኣጎዓዒዙ ኣታዊ ክገብር ዝክእል

10ንፓምፕ ሞተር ዝምልከቶ ኣካል ብትክክል ምቅራቡ ፅሬት ምስተረጋገፀ ክፍሊት ዝፍፀም ይከዉን

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።