ቤት ምክር ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ብመምርሒ ሕዳስ ናይ ምሕዳስ ግዚኡ ዘይሓለፎ ዘሐደሰን ኮፒ መረዳእታ ኣታሓሒዙ ዘቅርብ

2 ናይ ግብሪ ካፋሊ መለለይ ቑፅሪ ዘለዎ ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቅርበ

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ፅሕፈት መሳርሒ : ናይ መኪና ጎማ :ናይ መኪና ስፔር መለዋወጢ ንሕድሕዶም ቢድ ቦንድ 5000 ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ዝክእል

4 ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰsነድ ጨረታ ጥራሕ እዩ

5 ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ዘይምለስ ብር 30 ጥራሕ ብምክፋል ካብ ዕለት 30/2/2010 ዓም ክሳብ ዕለት 14/3/201 ዓም ሰዓት 8:30 ናይ ድ/ሰዓት ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይካኣል

6 እቲ ሰነድ ጨረታ ዕለት 14/3/201 ዓም ሰዓት 8:30 ድ/ሰዓት ተዓሺጉ በቲ ዕለት በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 9:00 ይክፈት መቅረብቲ ብናይ በዓሎም ድልየት ተዘይተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ብተመሳሳሊ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ኦርጅናልን ፎቶኮፒን ነንበይኑ ከቅርብ አለዎ

7 ተመሊኡ ብፖስታ ተዓሺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ቢሮ ቍፀሪ 08 ዝተደላወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 14/3/201 ዓም ሰዓት 8:30 ድ/ሰዓት ዘእትዉ

8 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተወዳደርቲ ናይ ቫት ተመዝገቢ ዝኮነን ክሳብ መስከረም 30 2010 ዲክሊር ዝገበረሉ መረደእታ ዘቅርብ

9 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ዓይነት ንብረት ብናይ በዓሎም መፅዓኒን መራገፍን መጎዓዓዝን ናብ ቤት ፅሕፈት መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ ጥራሕ እዩ

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

12 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመርፀሉ እዋን ካብቲ መጀመሪያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ዒስራ ሚኢታዊ ካብ ነብስ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ነቲ ዝተጫረቶ ንብረት ሙሉእ ዉሕስና ክህብ ዝክእል

ንዝበለፀ ሐበሬታ 03 44 41 65 70 ሓደሹ ህንፃ ፊት ንፊት