መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

1 ተጫረቲ ተዛማዲ ናይ 2009 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለዩ ቁፅርን ኦርጅናልን ዘይምለስን ፎቶ ኮፒ ብምትሓዝ ኣብ ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ይክእሉ

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብሰምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ኣብ መስታወቂያ ዝወፀሉ ዕለት 2/10/2017 - 16/10/2017 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:00 ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ነዚ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክእትዉ ይክእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር30,000.00 (ሰላሳ ሽሕ) (CPO) ብዝተዓሸገ ፖስታ ምስ ናይ ጨረታ ደኩመንት ብምትሓዝ ክእትዉ አለዎም :: ብፖስታ ዘይተዓሸገ (CPO) ተቐባልነት የብሉን

4 እዚ ጨረታ ዕለት 16/10/2017 ድሕሪ ሰዓት ልክዕ 8:00 ሰዓት ተዓፅዩ አብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብዝተረከብሉ ኣብ መቐለ መስፍን ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዝክፈት እንትኮን ሰነዱ ዝተማልአ እንተኮይኑ እንተዘይተረከቡ እዉን እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝክፈት ይከዉን

5 ተጫረቲ ቫት ወይድማ ቲኦቲ ተመዝገብቲ እንተኮይኖም ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ወይድማ ቲኦቲ ዝሓወሰ ምዃኑ ዘይምካኑ ብግልፂ ክጠቕሱ ይግባእ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ወይድማ ቲኢቲ ከምዘይሐወሰ ተቆፅሪ ይዉሰድ

6 ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቐረቢ ሰነድ ዘእትዉዎ ናይ ንሐደ ኪሎ ጣዉላ ዋጋ ክከዉንን ናይ መጎዓዓዚ ነቲ ስራሕ ዘድለዩ ሰብ ሐይሊ ብተጫረቲ ዝሽፈን ምካኑ ከፍልጡ ይግብእ

7 ኣብቲ ጨረታ ተወዳዲሩ ዝሰዓረ ተጫረቲ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተነገሮ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልተቲታት ናይ ጠቅላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ናይ ዉዕሊ መክበሪ ገንዘብ ብምሓዝ ምስ ትካልና ዉዕል ይፈራረም እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ንጨረታ መክብሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና አታዊ ብምግባር ኩባንይና ካልእ አማራፂ ይወስድ

8 ሰዓራይ ተጫረቲ እቲ ጣዉላ ተኣኪቡ ንክልዕል ካብ ዝነተገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲታት እቲ ንብረት ከልዕል አለዎ እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ንዉዕሊ መክብሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና ኣታዊ ብምግባር ኩባንይና ካልእ አማራፂ ይወስድ

9 ተጫረቲ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኮም ዋጋ ምእታዉ አይክእልን

10 ተጫረቲ ኣእዚ ጨረታ ምስ ኣሸነፉ ንካልእ ሳልሳይ ወገን ኣሕሊፎም ምሃብ ኣይክእሉን

11 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ኣቅሓ ኣብ መቐለ መስፍን ዋና ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ምዉሳድ አለዎም

12Â ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 251-930413111 ፋክስ 251-344406225 ይደወሉÂ