ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጋዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ

1 ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ ናይ 2009 ዓም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈልሉን ፍቃድ ዘሐደስሉን መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም

2 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልልትግራይ ዝረከብ ቀንደ ከይዲ ስራሕ ኮንስተራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ወይድማ ናይ 2009 ዓም ዝተሓደሰ ስራሕ ፈቃድ ካብ በዓል ስልጣን ኢነርጂ ኢትዮዽያ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይደማ ቫት ተመዝገብቲ ምስክር ወረቀትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎምን ቅድሚ ሐዚ ናይ ኤለክትሮ መካኒካል ኢንስታሌሽን ስራሕቲ እንተነኣስ ሓደ ሰሪሖም ምካኖም ካብ ዝምልከቶ አካል ሕጋዊ መረዳእታ ዘቅርብን

4 ተጫረቲ ናይ 2009 ዓም ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ቴከኒካል መረዳእተኦም ከቅርቡ አለዎም

6 መከበሪ ጨረታ 30,000 ቅርሺ ካብ ባንኪ ብዝተዉሃበ ቼክ ወይድማ ሲፒኦ ወይዉን ናይ ባንኪ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዉሕስና ትካል ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ናይ ደገ መብራህቲ ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታተልቲ መዓልቲ ዉሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚዞም ከረክቡ አለዎም

8 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 25 ጥቅምቲ 2009 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጋዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ኣብ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ

9 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ዝሓዘ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ከምኡዉን ቴክኒካለ ዝሓዘ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ሕድሕድ ዋናን ቅዳሕን ብማርከር ብምፅሓፍ ን ቴክኒካል ፋይናንሽል ኢሎም ኣብ ካሊእ ዓብዩ ፖሰታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽምን አድራሻን ብትክክል ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖሰታ ብማርከር ብምፅሓፍ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅÂ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም

10 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ሕድሕድ ገፅ እቲ መረዳእታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ መረዳእታ እንተዛብዑ እቲ መረዳእታ ከምቲ ክሽየጥ እንከሎ ዝነበረ እንተይአጋደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጋደለን ብትክክል ዘይተመለአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛብዐን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ

11 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 14 ሕዳር 2009 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ተዓፅዮ ልክዕ ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጋዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ይክፈት

12 እቲ ከይዲ ስራሕ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346620374