ግልፅ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ቢሮ ትምህርቲ ብሓባር ብምኻን ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቅ ፣ ደቡብ ፣ ማእኸላይ ዝርከባ ወረዳታት ሃገር በቆል ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ:: ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፀሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ::
በዚ መሰረት ድማ ትካልና: -
ናብ ተጠቀምቲ ዝባፃሕ እታወታት ምግብን ካልኦት ናውትን ንምጉዕዓዝ ናይ ፅዕነት ግልጋሎት ትራንስፖርት ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ብምውድዳር ናብዞም ኣብ ዋጋ መውሃቢ ዝተጠቀሱ ቦታታት ንምጉዕዓዝ ወይ ድማ ግልጋሎት ትራንስፖርት ክረክብ ይደሊ: ነዙይ መሰረት ገይርኩም እዞም ዝስዕቡ ሮቛሒታት እተማልኡ ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ኣካላት ንክትሳተፉ ንዕድም:
በዚ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ
ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /ፐIN/ ከቅርብ ዝክእል
ክፍሊት እንትወስድ ሕጋዊ ደረሰኝ (ተኸታታሊ ቁፅሪ ዘለዎ) ከቅርብ ዝክእል ማለት ብናይ ብርሃን እና ሰላም ሕትመት ዝተሓተ ደረሰኝ ወይ ብማሽን ደረሰኝ ዘቀርብ/ተቀርብ
ናይ መኪና ሊብሬ ከምኡ እውን ኢንሹራንስ ዘለዋ ምኻኑ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል
ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ዕደጋ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ~12 ክወስዱ ከምእትኽእሉ።
CPO ብትካልና ዝተሰርሐ 30,0000.00(ሓምሳ ሽሕ) ከትሕዝ ዝክእል/ትክእል
እቲ ጨረታ ዕለት 26/06/2018 ሰዓት 8:00 ተጀሚሩ ዕለት 01/01/2018 ዓ.ም ሰዓት 8:30 ይዕፀው። እቲ ጨረ በቲ ዕለት 01/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።
ብተጫራታይ ዝምላእ ዋጋ ትካል ካብ ዘቅረቦ ናይ መውሃቢ ቅጥዒ ወፃኢ ምቅራብ ኣይፍቀድን።
በቲ ትካል ዝተደለያ መጠን መኻይን ናብዞም ኣብ ዋጋ መውሃቢ ዝተጠቀሱ ቦታታት ንምጉዕዓዝ ኣብ ዝተደለየ እዋን ከቕርብ ዝኽእል።
ን ሰለስተ ወርሒ ዝፀንሕ ዋጋ መሰረት ገይሩ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል።
ተጫራታይ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝ ተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ትካልና ብኣካል ብምቅራብ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ መኽበሪ ካብ ዘሸነፎ ዋጋ 10% ብምትሓዝ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል።
ኣብ እዋን ክፍልት ካብ ብርሃን እና ሰላም ዝተሓተ ደረሰኝ ወይ ማሽን ደረሰኝ ዘቀርብ/ተቀርብ
ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።