ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ

ዕለት 26/06/2018ዓ/ም

ቁፅሪ 0511/ድው/022/18ዓ/ም

ጨረታ ምልክታ ቁፅሪ - 01/2018

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘገልገሉ ንብረት ማለትዉን ናይ መኪና ጎማን ባትሪን ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ቢሮ ኣቑሑት ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኤሌትሮኒክ ኣቑሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክወግድ ክሸይጥ ይደሊ በዚ መሰረት፡

✓ ተጨረቲ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳለወ ዶክመንት ካብ ኢ/ምሕ ትግራይ ዳሪክቶሬት ዳሪክተር ዕደጋ፣ ፋይናንስን ንብረት ምምዳርን ኣብ ዒላላ ዝርከብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ካብ ዕለት27/06/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 07/2018 ዓ/ም እናመፃእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ፡፡

✓ እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 04/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኾይኑ፡ዝኸፈተሉ ዕለት 04/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ኣብ ኢምራሕ ትግራይ ዳሪክቶሬት ዳሪክተር ዕደጋ ፋይናንስ ምም/ር ንብረት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት፡፡

✓ ናይዚ ይረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተግልፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ብናይ ባዓልኩም ትራንስፖርት ክተልዕለ ትግደዱ እንተዘይኾይኑ ኣብቲ ንብረት ንዝበፅሕ ጉዳኣት ኢንስቲትዩት ተሓታቲ ኣይኾነን፡፡

✓ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከምውዕሊ ኮይኑ ከምዘገልግል ክፈልጡ ይግባእ፡፡

✓ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000.00 ብፊደል /ሰለስተ ሽሕ ብር/ እናኽልፍኩም ካብ ዳሪክቶሬት ዳሪክተር ደጋ ፋይናንስ ምም/ር ንብረት ምውሳድ ትኽእሉ ።

✓ ኢንስቲትዩና ዘሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ኣብ መወዳደሪ ደኩሜንትኩም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ብተወሳኺ ድማ ሽምን ኣድራሻን ፌርማን ክህልዎ ኣለዎ ።

ተወዳደርቲ ማዕረ ዋጋ እንተቅሪብኩም ብሃ ይፍለይ:፤

✓ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዒላላ ዝርከብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ብኣካል ብምምፃእ ወይድማ ብስልኪ ቁፅሪ +251914759365 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ ኢኹም፡፡