ሚዛን ልቃሕን ዕቃርን ሕ/ስ/ማሕበር

ምልክታ ፕሮፎርማ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ሚዛን ዕቛርን ልቓሕን መሰረታዊ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ን2018 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል Office Chairs (imported) ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ /ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት :-

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ፍቓድ ዘሐደሱን መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰን መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /Tin number/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእተዉዎ ፕሮፎርማ ሽም ፣ ክታምን ማህተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ።

✓ ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ ዕለት 18/06/2018 /ም ሰዓት 5:00 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 21/06/2018 ዓ/ም ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ኣታዊ ምግባር ይክእሉ ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዕለት 21/6/2018 ዓ/ም ሰዓት 10:00 ታዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 10:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት ::

✓ ኣድራሻ ኣብ ቀበሌ 16 ፊት ለፊት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንፃ ዛፉ ሓድጉ 3ይ ደብሪ ንርከብ።

✓ ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ብግልፂ ክቅመጥ ኣለዎ፤ብግልፂ እንተዘይኣቐሚጦም ግን ቫት ከም ዝሓወሰ ተገይሩ ይውሰድ፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5ተ /ሓሙሽተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ፅሬትን ብመጠንን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከቅርብ

ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር

✓ ተጫረቲ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት 3ይ ደብሪ ቁፅሪ 01 ብኣካል ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ብናፃ ክወስዱ ይኽእሉ

✓ ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ተ.ቁዓይነት ንብረትዝርዝር መግለፂመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋ
1Office Chair (imported)Sampleብቑፅሪ10

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0914766805 ወይ 0934106110 ይደውሉ፡፡ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ